ሃይለሰላሰ ኣረጋይ ሸሪፎ

  • ትውልዲ ቦታ: 70 እገላ
  • ዕለተ‐ልደት: 16/9/76
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 04/02/2015
  • ቦታ መስዋእቲ: ኣብ መንጎ ዓድቀይሕን ሒዋነን

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ሃይለስላሰ(ብቅፅል ሽሙ ተ/ይ ሸሪፎ( ኣብ ወረዳ እገላ ተወሊዱ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ እውን እዩ። ኣብኡ ናይቲ 17 ዓመት ብረታዊ ተጋዳላይን ከቢድ ውቃዕ ዝነበሮ ነባር ተጋዳላይ እዩ። ተጋዳላይ ሸሪፎ ሰለስተ ርእሱ ናብ ምግዳል ዝወፈረን ኣንፃር ወረርቲ ኣብ ቡዙሓት ግምባራት ዝተዃሸሐን ብሉፅ ወድ-ህዝቢ ነይሩ። ተጋዳለይ ሸሪፎ ናብ ቃልሲ ዝተፀንበረሉ ኣብ ሓምለ 2013 እንትኸውን ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኣምሓራ እንዳሃለወ እዩ። ተጋዳለይ ሸሪፎ ኣርሚ 24 ክ/ር ኣኹሱም ኮይኑ ዝተዋጋኣለን ቦታታት ካዓ ጭፍራ፤ ኮን፤ መቅደላ፤ ደሴ፤ ወረ ኢሉን ካራ ምሽግን እንትኾን ካብ ተራ ተዋጋኣይን እስካዕ መራሒ ሓይልን ኮይኑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ብፍላይ ካብ ዕለታት ሓደ እዋን ፀላኢ እንዳደፍአ ኣብ ዝመፀሉ መዓልቲ ምስ ብፃዩ ኾይኑ ብቡንባ እንዳደርበየ ንፀላኢ ዝመለሰሉ ፣ ብቅልጡፍ ድማ ናብ ምጥቃዕ ዝኣተወሉ ካብቶም ዝሰርሖም ንዝንተኣ-ለም ዝዝከር ቅይኡ ሓደ ነይሩ። ተጋዳላይ ሃይለስላሰ ንፀላኢ ዝረአሉ መነፅርን ንሱ ዝሰርሖ ድፋዕን ብጣዕሚ ዝገርም ነይሩ። ድሕሪ እዋን ተጋዳለይ ሸሪፎ ኣብ ካራ-ምሽግ ብፅኑዕ ተወቂዑ ናብ መቐለ ኣትዩ ተሓኪሙ ክድሕን ክኢሉ እዩ። ነገር ግን ናይ ኣሃዱታት ምትዕሪራይ ኣብ ዝነበረሉ ኣሃድኡ ናብ ኣርሚ 26 ኮር_2 ክ/ር ሓርነት ሻለቃ-1ሓይሊ-1 ተመዲባ ድሕሪ ሕክምና ናብ ኣህድኡ ተመሊሱ። ኣብ ዝተመደቦ ብብቃዓት እንዳገልገለ ካብ በር ተኽላይ ናብ ሰቆጣ-ኣበርገሌ ብምእታው ክሳብ እቲ ኻልኣይ ወራር ዝጅመር ኣብኡ ብምፅናሕ ምስተጀመረ ምስ ፀላኢ ተኳሽሑን ኣኳሽሑን እዩ። ኣብቲ ዕርፍቲ ዘየብሉ ኣረብራቢ ኹናት ኣሃድኡ እናመረሐ ብትብዓት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ካብዚ ድፍዕን ሓያል ውግእን ካለአት ኣሃዱታት መፅየን ተቀቢለንኦም ሸሪፎ ምስ ኣሃድኡን ንድሕሪት ኣንሳሓይቦም። እቲ ኹናት ዕርፍቲ ዝህብ ኣይነበረን ስለዚ ንኻሊእ ወፍሪ ተዳለው ተባሂሎም ንኣንፈት ሞኾኒ ብዓባይ ተሽከርካሪት እንትጓዓዙ ድሮን ኣብ ልዕሊኦም ቁምብላታት ኣዝኒባ ክቡር መስዋእቲ ብ04/2/2015 ኣ/ግ ከፊሉ ሓሊፋ።