
እፍሬም ጠዓመ ተኽለማርያም
- ትውልዲ ቦታ: እገላ (ገርሁስርናይ)
- ዕለተ‐ልደት: 18/5/1988E.c
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 11/10/2013
- ቦታ መስዋእቲ: ሸውዓተ ሕጉም
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳላይ እፍሬም ጠዓመ ብ1988 ዓም አብ ወረዳ እገላ ፈሉይ ቦታ ደቆሎም ተወሊዱ ። ዕድመ ንእስነቱ አብ ከተማ ገርሁስርናይ ዘሕለፈ እንትኸውን ካብ (1-10)ክፍሊ አብኡ ወዲኡ ።ብድሕርኡ ናብ ስዑዲ ከይዱ 2 ዓመት ተቐሚጡ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ገርሁስርናይ ዝተመለሰ እንትኸውን ናይ መግንሒ መኪና ስልጠና ወሲዱ ክሳብ 2010 ዓ.ም ገናሒ መኪና ኮይኑ ሂወቱ ይመርሕ ነይሩ ካብ 2011 ክሳብ ወራር ዘጋጥም ዝነበረ ግዜኡ ድማ አብታ ዝዓበየላ ከተማ ናይ ፕለይስቴሽን ከፊቱ አብ ስራሕ ዓለም እናሰረሐ ፀኒሑ ብ2013ዓ.ም ወርሒ ለካቲት ናብ ቃልሲ ተፀሚሩ።