ጌታቸው ወልዱ ቦጋለ

  • ትውልዲ ቦታ: እንደርታ
  • ዕለተ‐ልደት: 05 ጥቅምቲ 1972
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 27 ጥሪ 2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ፈረስ ደጊ/ኩነባ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጌታቸው ወልዱ ካብ አብኡ አይተ ወልዱ ቦጋለ ካብ እንኡ ወ/ሮ ገርግስ ንጉሰ ጥቅምቲ 5 1972 ዓ/ም አብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መሰረት ቑሸት ማንጨልፎ ጎጥ ዓደዋሊዕ ዝተብሃለ ቦታ ተወሊዱ።ዕድሚኡ ንመጓሰ ምስ በፀሐ ድማ እናጓሰየን እናተለኣአኸን ቤተሰቡ እናሓገዘ እናሃለወ ወራሪ መንግስቲ ሻዕብያ ብ1990 ዓ/ም ንኢትዮጵያ አብ ዝወረረሉ እዋን ተጋ.ጌታቸው ወልዱ ብ1991ዓ/ም ናብ ብላቴ ማሰልጠኛ ማዕኸል ብምምራሕ ን6 ወርሒ ሰልጢኑ ናብ ግንባር ፀሮና ብምምራሕ አብ 21ኛ ክ/ሰራዊት ብምፅንባር አብ ፀሮና፤ ሰንዓፈ፤ ሾምባቆ፤ቶኾምብያ፤ ገምሀሎ፤።ጓል ገምሀሎን ካልኦትን ከባብታትን ዝአመሰሉ ብጅግንነት ታሪክ ሰሪሑ እዩ።ወራሪ መንግስቲ ሻዕቢያ 1994 ዓ/ም ምስተሸነፈ መንግስቲ ኢ/ያ ናብ ብዝፈቐዶ መሰረት ተቐናሲ ኮይኑ ናብ ቤተሰቡ ብምምፃእ አብ1996 ዓ/ም ምስ ወ/ት ፍፁምብርሃን ወ/ማርያም ስነ ስርዓት ጋብቻ ብምፍፃም 5 ቆልዑት አፈሪዮም ናብረኦም እና መርሑን ደቁ እናዕበረን እናሃለወን ልፍንታውያንፀላእቲ አብ ልዕሊ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ጀኖሳይዳዊ ጨፍጫፍ ተጋ.ጌታቸው ወልዱ አነ እናሀለኹ አደይ፤ሓፍተይ፤ ሓወይ፤አቦይ፤ ዓደይ አይድፈርን ብምባል ጥሪ 5 2013 ዓ/ም ናብ ብፆቱ በረኻታት ትግራይ በምፅምባር ምስ ብፆቱ ኾይኑ አብ ልዕሊ ፀላኢ ሓፍ ዘይብ ኪሳራ አውሪደምሉ እዮም።ተጋ.ጌታቸው ወልዱ ዝተዋገአሎም ዐውደ ውግአት ፀላኢ ካብ መቐለ ጀሚሩ አብ ሞኖስ ፥ ራያ ፤ ዞብል፤ወልድያ፤ጭፍራ፤ኮምቦልቻ፤ደብረሲና ብጅግንነት ተዃሺሑ እዩ።ዳሕራይ ሰራዊት ትግራይ ምስተመለሰ ድማ ተጋ.ጌታቸው ወልዱ አብ ከባብታት ዴስኣን አፅብን ብምዕራድ ወራሪ አራዊት ሰራዊት ሻዕቢያን ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይልን ብዝገብርዎ ዝነበሩ ናብ መቐለ ደፊእኻ ንምእታይ ቕስሞም ሰይሮሞም እዮም።ተጋ.ጌታቸው ወልዱ አብ አርሚ 15 ኮር 153 ክፍለ ሰራዊት ኳርተር ሬጅመንት 1 ሓይሊ 1 እንትኸውን መራሒ ሓይሊ ብምኻን እናዋገአን እናተዋገአን እናሃለወን ብዕለት ጥሪ 27/2014 ዓ/ም አብ ኩነባ ፍሉይ ሽሙ ፈረስ ዳጊ መእንተ ትግራይ ብኽብሪ ተሰዊኡ እዩ።