ብርሃነ ተስፋይ (ዕንደለ)

  • ዕለተ‐ልደት: 1958 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 23 ሕዳር 2013 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ኣልዓሳ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ፀላኢ ንመቐለ ድሕሪ ምቁፅፃር ናብ ሃገረሰላምን ተንቤንን ንምግስጋስ ኣብ ዝገበሮ ዝተዋደደ ናይ ሰማይን መሬትን መጥቃዕቲ ኣብ ዓልዓሳ ዝነበረ ዕርዲ ጀጋኑ ንምስባር ከቢድ ውግእ ኣካይዱ። ኮነሬል ብርሃነ ተስፋይ (ዕንደለ) ኣብቲ ግጥም ይዋግኡ ካብ ዝነበሩ ሃርበኛታት ሓደ ኮይኑ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ እናመረሐ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ኣብ ዓልዓሳ ዝተኻየደ እዚ መሪር ውግእ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ብዝበፀሐ ከቢድ ኪሳራ ነቲ ቦታ ቤርሙዳ ክብሉ ፖለቲከኛታት ይፅውዕዎ። ዕንደለ ዕሸል ዕድሚኡ ብኩናት ጀሚሩ ኣብ ኩናት ዓብዩ፣ ብጥበብ ኩናት ዝተሞከረ፣ መውጋእቲ ከም ክታበት ገይሩ ዘቆፅር ጀግና ኔሩ። ሃርበኛ ኮነሬል ዕንደለ ኣብ ኩናት ዓልዓሳ (ቤርሙዳ) ብ23 ሕዳር 2013 ዓ/ም ታሪኽ ሰሪሑ ብጅግንነት ተሰዊኡ። ብሰላም ዕረፍ ጀግናና!