ሻለቃ ሓየሎም ገ/ዮውሃንስ

  • ትውልዲ ቦታ: ቁሸት ዓዲ ሕያው፣ ጣብያ መርጋሕያ፣ ወረዳ ጋ/ኣፈሹም፣ ዞባ ምብራቕ
  • ዕለተ‐ልደት: 12/7/1989 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 17/3/2014 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ፀሊሞይ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ተጋዳላይ ሻለቃ ሓየሎም ገ/ዮውሃንስ ካሕሳይ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ካሕሳ ሓጎስ፣ካብ ኣቦኡ ቀሺ ገ/ዮውሃንስ ካሕሳይ ኣብ ቁሸት ዓዲ ሕያው፣ ጣብያ መርጋሕያ፣ ወረዳ ጋ/ኣፈሹም፣ ዞባ ምብራቕ ብ 12/7/1989 ዓ.ም ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ መርጋሕያ ሙሉእ ቀዳማ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ። ካብ 9ይ ክሳብ 10ይ ድማ ኣብ ያለም ብርሃን ካልኣይ ብርኪ ዓድግራት ተማሂሩ። ፀላእቲ ኩለመደያዊ ዓቅሞም ኣዋዲዶም ናይ ዘርኢ ምፅናት ኣዋጅ ምስ ኣወጁልና ጅግና ተጋዳላይ ሻለቃ ሓየሎም ገና ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣንፃሮም ዝገጠመ እዩ። ነባር ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ስለዝነበረ ኣብ ሰሜን እዚ ኣብ ዝነበረ ኦፕሬሽን እውን ብዕውት ተሳተፉ እዩ። ካብ ንደሓር ናብ ኩሉ ኣንፈታት ትግራይ እናተንቀሳቐሰ ህዝቡ ንምድሓን ሓፂናዊ ቃልሲ ኣካይዱ፣ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ብዘርኣዮ ወታደራዊ ምትዕፅፃፍ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ናይ ሓለቀቓ ሽሕ መዓርግ ተዋሂቡዎ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሻለቃ ሓየሎም ገ/ዮውሃንስ ምስ ብፆቱ ፀላእቱ ኣባሪሩ ዝዓቢ ክፋል ዓዱ ነፃ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝነበሩ ግጥማት ድማ ምስ ብፆቱ ፀላእቱ እናጓየየ ቅድሚት ደብረብርሃን ዝበፅሐ እዩ። ድሕሪ'ዚ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብፆቱ ብዝመፀ ናይ ተመለሱ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ክባታት ፀላእቲ እናፈንፀሐ ብዓዎት ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዝያት ጅግና ተጋዳላይ ሻለቃ ሓየሎም ገ/ዮውሃንስ 3ይ ወራር ኣብ ዝተጀመረሉ ናብ ምዕራብ ትግራይ ወሪዱ፣ ብልዑል ጥበብ እናዋገአ ኣብዘለሉ ሃንደበት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ተወቒዑ ክስዋእ ክኢሉ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሻለቃ ሓየሎም ገ/ዮውሃንስ ኣዝዩ ተባዕንቆራፅን፣ ምስ ብፆቱ ፅቡቅ ርክብ ዝነበሮን ተፃዋታይን እዩ ነይሩ። ፅንዓት ንመላእ ቤተሰብን ፈተውቲ ኣዕርኽቱን ይኹን። ንሱ ድማ ብሰላም የዕርፍ። ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ'ምበር ኣይነብርን። ቃል ሰማእታትና ኣይነዕብርን።