
ኢፍሬም እንድርያስ ገብረመድህን
- ትውልዲ ቦታ: ዕዳጋ ዓርቢ
- ዕለተ‐ልደት: 7/3/1984
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 28/1/2015
- ቦታ መስዋእቲ: ምድረ ፈላሲት
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳላይ ኢፍሬም ኣብ ኣቡኡ ነበር ተጋዳላይ እንድርያስ ገ/መድህን ካብ ኣዲኡ ተጋዳሊት ሙሉ ደስታ ብ 1984 ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ተወሊዱ። ብፅቡቅ ስነምግባር ዝዓበየ ኢፍሬም ናይ ቀዳማይን ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ወዲኡ ብ ድሕሪኡ እውን ናይ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ብምዝዛም ናይ ውልቅኡ ትካል ከፊቱ እናሰርሐ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ብዝወልዕዎ ኩናት ኣነ እናሃለኹ ዓደይ ኣይትድፈርን ብምባል ብ ሕዳር 2013 ናብ በረኻ ወፂኡ ኣብ ኣርሚ 13 ኮር 131 ሮኬት ክፍሊ ብጅግንነት እናተቃለሰ ፀኒሑ ብመስዋእቲ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።