
ክብረት ሃይሉ ወ/ሚካኤል
- ትውልዲ ቦታ: ማይቅነጣል
- ዕለተ‐ልደት: 02/01/1992 ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 16/10/2013 ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ሸዉዓተ ሕጉም (ገረብ ግባ)
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ህይወት ታሪኽ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ወ/ሚካኤል! =========== ©ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ወ/ሚካኤል 02/01/1992 ዓ.ም ካብ ኣቡኡ ኣይተ ሃይሉ ወ/ሚካኤል ኣፅብሃን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ተላን ኣብ ከተማ ማይቅነጣል ተወሊዱ። ክብረት ንዓበይቲ ኣሕዋቱን ቤተሰቡን ጥራሕ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ ዝሰምዕን ዘኽብርን: ብኽብሩን ክብሪ ዓዱን ግን ዘይሰምዕን ዘይደራደርን ተባዕ ሰብ ነይሩ። ©ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ ድማ ኣብ ማይቅነጣል ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ ቀዳማይ እስካብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተለ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ብሽፍርና ንኽመሓደር ብምሕሳብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቡን ዓዱን ወራር ተኸፊቱ። ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ይፍፀሙ ንዝነበሩ ግፍዕታት ብዓይነይ ኮፍ ኢለ ኣይርእን ብምባል ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብቲ ወቕቲ ሓራ መሰልጠኒ ተጋደልቲ ናብ ዝነበረ ፍሉይ ቦታ ዘበነገ ምስ መሓዙቱ ተፀምበረ፡፡ ድሕሪ ሓፂር መሰረታዊ ወታደራዊ ስልጠና ድማ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ጣብያ ሰላም ኣብቲ እዋን ማእኸላይ ግምባር ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ናብ ትበሃል ኣሃዱ ምስ 11 ብፆቱ ኣባል ኮይኑ፡፡ ንባዕሉ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ድሉው ኮይኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓዉደ ግምራት ግፍዒ ህዝቦም ምስ ዘንገብገቦም ተጋደልቲ ትግራይ ብምኻን ካብ ተራ ተዋጋኣይነት እስካብ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ብወርቂ ቀለም ተፃሒፉ ዝሓልፍ ጅግንነት ፈፂሙ፡፡ ©ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ዝተሳተፈሎምን ዓወት ዝሓፈሰሎምን ዓዉደ ግምባራት! ======================== 1. ስዉእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ናይ መጀመርያ ዉግእ ብጥሪ 4፤5ን 6ን 2013 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ናዕዴር ጎልጎል ጨሞ ጣብያ ዓዲ ሰራዋት ቁሸት ጠላዕ ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ኣንፃር መበል 25 ክ/ጦር ናይ ብልፅግና ሰራዊት ምስ ብፆቱ ተራ ተዋጋኣይ ኮይኑ ቃልሲ "ሀ" ኢሉ ጀመረ። ጮሞ ቅድሚ ምዉጋኡ ድማ አብ ደንበሾ ከባቢ ካብ ማእከል ሰግሊ ተላዒልካ ጥይት ንምውፃእ አብ ዝነበረ ልእኩቶ እውን ካብቶም ብለይቲ ዝአተው ብፆት ተጋዳላይ ክብረት ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ናይ መጀመሪያ ዓዉደ ዉግኡ ድሕሪ ዳግም ምዉዳብ ሰራዊት ትግራይ ንመጀመርያ ግዜ ዙን ኦራልን ዝማረኽሉ እዩ ነይሩ። እንታይነት ኲናት፡ ብፃይነትን ዓወትን ምርኣይ ድማ ጀመረ፡፡ ድሕሪኡ ድማ ናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ ዓዴት ፍሉይ ሽሙ ሕደግ ዉረድ ናብ ዝበሃል ቦታ ቀፀለ። 2. ጥሪ 24/2013 ዓ.ም ኣብ ሕደግ ዉረድ ኣንፃር መከላከያ 3. ለካቲት 02/2013 ኣብ መረረ ኣንፃር መከ ኢድ ብኢድ ኣብ ዝነበረ ግጥም ናይ ባዕሉ ርኡይ ተራ ተፃዊቱ እዩ። 4. ለካቲት 06 ን ,07/2013 ዓ.ም ኣብ መልቃ ኣንፃር መከላከያን ሰራዊት ሻዕብያን ዝተዋግአ እንትኾን ኣብ ኣስፓልት ጎፍ ንጎፍ ምስ ኦራልን ፓትሮልን ፀላኢ ኣብ ዝባን መልቃ ድማ ኣብ ርእሲ ጥሜትን ድኻምን ሙሉ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ጥምጥም ተሳታፊ ነይሩ። ኣብ ኦፍላ:ማይ ማዕዶ: ቦራ ሰለዋ ዴላ: ፃታ: ሳምረ: ኣፅቢ: ሓዉዜን: ኣሸጎዳ: ኣራጉረ: ዓዲ ጉደም ብፍላይ ዓዲ ቀይሕ ፃዕዳ ሳዕርን ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብል ተንቀሳቒሱን ብፍላይ #ማይ_ቀይሕ ኣብ ዝበሃል ቦታ ናይቲ ወቕቲ ስትራተጂክ መራሕቲ ዉሑስ ብዝኾነ ሓለዋ ንምሕላፍ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ዘለዋ ሓይሊ ልእኽቶ ተዋሂብዎ ብዝግባእ ተዋፂኣ እያ። 5. ለካቲት 26/2013 ኣብ በረዝዋ ኣንፃር 525ኛ ኮማንዶ መበል 16ን 34ን ኣሃዱታት ሻዕብያ ተዋግኡ ድሙቕ ታሪኽ ፅሒፉ። 6. መጋቢት 10/2013 ዓ.ም ድማ ኣብ ወርቀ ዲኖ ኣንፃር ኩሎም ልፍታዉያን ሓይልታት፡፡ መቸስ ወርቀ ዲኖ ክበሃል ካብቶም ሰራዊት ትግራይ ተኣምራዊ ቅያ ዝሰርሐሎም ወርቃዊት ዕለት ሓንቲ ምናልባት እዉን ቀዳመይቲ ምዃና ኩልና ተጋሩ ብሓንቲ ቃል ክንምስክረላ እንኽእል ቦታ እያ። ዋላ ልፍታዉያን ወረርቲ ሓይልታት ዘይእመን ጅግንነት ሰራዊት ዝረኣይሉ ዓዉደ ዉግእ ከምዝነበረ ዘይኽሕድዎን ጥረ ሓቂ እዩ። ንልፍንታዉያን ፀላእቲ ቅስሚ ዝሰበረን ንሰራዊት ትግራይን መራሕቱን ከምኡ እዉን ፖለቲካዊ መራሕቲ ከቢብካ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ዝነበረ ተስፋ ፀላእቲ ብዘስደምም ጅግንነት እንትፍንፃሕ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ናይ ባዕሉ ድሙቕ ዓሸራ ኣንቢሩ እዩ። 7. መጋቢት 25/2013 ዓ.ም ኣብ ፀድያ ዕዳጋ ሓሙስ ዓደርጌቶ ኣብ ዝበሃል ኸባቢ ኣንፃር ሻዕብያ ተዃሺሑ ፀላእቲ (ሻዕብያን ብልፅግናን) ሽንፈቱ ተኸናኒቡ ቁሱላቱ ብሄሊኮፕተር ከልዕል ኣብ ዝተገደደሉ ዓዉደ ዉግእ ተጋዳላይ ክብረት ሃይሉ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። 8. ሚያዝያ 21/2013 ዓ.ም ኣብ ራህያ ኣንፃር መከላከያን ሻዕብያን መንገዲ ዓፂኻ መንቀሳቐሲ ኣብ ምኽላእ ተልእኾ ተዋሂብዎ ብዝግባእ ተዋፂኡ እዩ። አብ ክሳድ ቆራፂት ትበሃል ቦታ ዝተቀሳቀሶሎም ቦታ ገንደብታ: ፈረስ ማይ: ዓዲይዕቆሮ: ጉሙዕ ነበለት: ዕደጋ ዓርቢ: አሕፎሮም ሰፍኦ ንመመን እንትጮ ከባቢ አብዝነበሩ ምንቅስቃስ ከም ብፆቱ ሩኡይ ተራ ነይርዋ እዩ። 9. ሚያዝያ 29/2013 ኣብ ቆራሮ ጋንታ 2 ኣዛዚ ጋንታ ኮይኑ እናተዋግአ ብተኣምር ካብ ክባ ፈንፅሑ ወፂኡ ካብ ኢድ ፀላኢ ወፂኡ እዩ። ተጋ ክብረት ሃይሉ ኣብዞም ኩሎም ዓዉደ ግንባራት ካብ ተራ ተዋጋኣይ እስካብ ኣዛዚ ጋንታ ብምዃን ተደጋጋሚ ዓወታት ድሕሪ ምሕፋሱ ብላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቱ ጅግንነቱ ስለዝተመስከረሉ ብዕለት 08/09/2013 ዓም ንሓይሊ መራሒነት ተመዘዘ፡፡ ኣብ ጎሮሮ መራሒ ሓይሊ ብምዃን ናይ ኣመራርሓ ተወሳኺ ወታደራዊን ፖለቲካዉን ስልጠና ወሰደ፡፡ ንዝበለፀ ተልእኾ ድማ ንባዕሉ ኣዳለወ። 10. ወፍሪ ኣሉላ ተባሂሉ ኣብ ዝተሰየመ ወፍሪ ድማ ካብ ሰነ 11/2013 ዓ.ም ጀሚሩ መራሒ ሓይሊ ብምኻን ኣብ ሸዉዓተ ሕጉም ክዋጋእን ከዋግእን ጀመረ። እስካብ ሰነ 15/2013 ብጅግንነት ፀላኢ ረይረይ እስካብ ዝብሎ ቀፀለ። ብፅባሒቱ ሰዓት 10:30 ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ድማ ተጋ. ክብረት ሃይሉ ምስ ብፆቱ ኣብ ገረብ ግባ እናተዋግአ ድሕሪ ምፅናሕ ቆሰለ። ፀላኢ ብኢዱ ክሕዞ ዋላ እንተደለየ ኢደይ እማ ብፍፁም ኣይህብን ብምባል ካብኣቶም 8 ኣዉዲቁ ብዕለት 16/10/2013 ዓም ሰዓት 2:30 ናይ ምሸት ገረብ ግባ ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ስለ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ዳግማይ ቀብሩ ድማ መላእ ቤተሰቡን ፈተዉቱን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ትዉልዲ ዓዱ ከተማ ማይቅነጣል ብዕለት 03/02/2016 ዓ.ም ተፈፀመ፡፡ #ዘለኣለማዊ_ክብርን_ሞጎስን_ንጀጋኑ_ሰማእታት_ትግራይ!!! Foot note- ታሪኽ ገድሊ ሓወይ ብጭቡጥ ትፈልጥዎ ዉፃእ መዓት ዝኾንኩም ብፆቱ ተጋ. ገ/ጀወርግስ መረሳ: ተጋ. ምሕረትኣብ ማሙ(ወዲ ማሙን): ንግዚኡ ሽምካ ዘይገልፆ ጅግና ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ታሪኽ ንኽትምስክሩ ብሂወት ዝተረፍኩም ብፆት ክብረት ሓወይን ንዝገበርኩሙለይ ምትሕብባር ካብ ልቢ ከመስግነኩም ይደሊ! @ብተጋ. ዘሚካኤል ሃይሉ(ዶ/ር)! ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም!