ተስፋይ ግርማይ ሃይሉ

  • ትውልዲ ቦታ: ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ
  • ዕለተ‐ልደት: 1982
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: ሕዳር 19 2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተስፋይ ካብ ኣቡኡ ሃለቃ ግርማይ ሃይሉ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሙሉ በሪሁ 1982 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ክ/ኣውላዕሎ ጣብያ ፃ/ናዕለ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ ከም ሰቡ ናብ ትምህርቲ ኣትዩ; ብትምህርቱ ንፉዕ ዝበሃል ተምሃራይ እዩ ነይሩ ከም ውፅኢቱ እውን ናይ 12 መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ፈተና ወሲዱ ሓሊፉ ኣብ ሰመራ ዩኒቨርስቲ ብፊዝክስ ዲፓርትመንት ተመሪቑ ንኣስታት 3 ዓመታት ብመምህርነት ኣገልጊሉ ድሕሪኡ ናይ ስራሕ ዘርፊ ቀይሩ ኣብ ኣዳማ ኣከባቢ እናሰረሐ እናሃለወ በቲ ቕድሚ ጦርነት ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ስርሑ ገዲፉ ናብ ዓዱ ብምምፃእ ኣብ ናይ ግሉ ስራሕ ተዋፊሩ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ጄኖሳይዳዊ ጦርነት ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ኣዕርኽቱ ብምዃን ኣብ ከባቢ ውቕሮ ብዝነበረ ታዕሊም ናይ መምርሒ መሰረት ታዕሊም ወሰደ ድሕሪኡ እቲ ደማዊ ጦርነት ምስተጀመረ ምስ መሓዙቱ ብምዃን ነቲ ከተማ ኣብ ምርግጋዕን ፀጥታ ኣብ ምሕላውን ተዋፊሮም ክሳብ ፀላኢ ውቕሮ ዝኣቱ ግቡኡ ፈፂሙ እዩ። ድሕሪ እዚ ብዕለት ሕዳር 19 2013 ፀላኢ ሙሉእ ሓይሉ ሒዙ ውቅሮ ምስኣተወ ምስ 5 ብፆቱ ብግፍዒ ፀላእቲ ተሰዊኡ። ተስፋይ ብጣዕሚ ቅንዑን ለዋህን ፈታዊ ዓዱን እዩ ነይሩ። ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!!!