ሰላም ግርማይ ለገሰ
- ትውልዲ ቦታ: መቐለ
 - ዕለተ‐ልደት: 27/08/1981
 - ቦታ መስዋእቲ: ኣዋሽ
 
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ተጋዳላይ ሰላም ግርማይ ለገሰ ኣብ ከተማ መቐለ ብ1981 ዓ/ም ተወሊዱ። ብትምህርቱ ብጣዕሚ ንፋዕ ነይሩ ካብ ቐዳማይ ክፍሊ ክሳብ 12 ተሸላማይ ነይሩ። ካብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብ information systems ቐዳማይ ድግሪ ዝነበሮ እንትኾን ዝተፈላለዩ ሰረተፊኬታት ድማ ነይሮምዎ። ሰላም ግርማይ ለገሰ ፈታዊ ዓዱ ብፀባዩ ድማ ኣዝዩ የዋህ ነይሩ።