ኣረጋዊ ገ/ጻዲቕ በየነ

  • ትውልዲ ቦታ: ስቡሓ ሰዐሲዕ
  • ዕለተ‐ልደት: 04 መስከረም 1985
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 26 12 ነሓሰ 2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ዳባት

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታሪክ ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ገ/ፃድቅ በየነ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣሰገዱ ከበደ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ሰውሐ ሳዕሲዕ ጣብያ ሓድሽ ሂወት ቁሸት ርእስ ዱር ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በፅሐ ኣብ ጣብያ ሓድሽ ሂወት ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ነኳል እምኒ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ።ብድሕሪ እዚ ከም ማንም ትግራዋይ ሂወት ንምምራሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ንባዕሉ ንቤተሰብን የማሓድር ነይሩ። ኣብ 2013 ዓ/ም ደመኛታት ፀላእቲ ምስ ባዕዳያን ፀላእቲ ተላፊኖም ካብ ገፀ መሬት ታሪክን መዝገብ ሕሊናን ደቂ ሰባት ከጥፍኡ ሕርዲግ ኣብ ዝብሉሉ እዋን ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ኣነ ብሂወት እናሃለኹ ዓደይን ኣደይን ኣየድፍራን፣ ህዝበይ ኣየፅንትን፣ ኣሕዋተይ ኣየድፈራን ፣ ኣቦይ ርእሱ ኣየድንን፣ ወጊድ ንጭቆና ንውልቀ መለኺ ስርዓት ኣይንግዛእን ብምባል ብልቡ ሓሪኑ ኣስተንቲኑ ሓሲቡን ብዕለት 26-06-2013 ዓ/ም ናብ ኣፅቢ እንዳ ስላሴ ወይከ ፈተክ ኣብ ዝበሃል ናይ ምብራቅ ግንባር ናይ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ መሰልጠኒ ማእክል ተፀምቢሩ ድሕሪ እዚ ብዝነበረ ናይ ፀላኢ ፅዕንቶ ንዝተወሰነ መዓልታት እዚ ማለት ን ኣርባዕተ ሓሙሽተ ማዓልታት ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ብምውሳድ ብዕለት 01/07/2013 ዓ/ም ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ናብ ምዕራብ ግምባር ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ሬጅመንት 42 /ገብረኪዳን / ሓይሊ ሓደ ጋንታ ሰለስተ ኣብ ኣፅቢ ከተማ እንዳ ስላሴ ተፀምቢሩ ናብራ ገድሊ ከስተማቕር ጀሚሩ። ፍሉይ መለለይ ባህሪ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ብሓፂሩ ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ብስድሩኡን ፣ብመሓዙቱን ፣መተዓብይቱን መሳርሕቱን ፣ናይ ቃልሲ ብፆቱን እንትግለፅ የዋህ ፣ተጫዋቲ ቀላዳይ፣ ሕማቅ ነገር ዘይፎቲ፣ ቤተሰቡን ኣዕሩክቱን ዘክብር ፣ንብፆቱ ሓላይ፣ ምዕዙዝ፣ ሓቀኛ ፣ወናም ብኣሃዱኡ ዝፍቶ ፣ንባዕሉ ቅድሚያ ዘይህብ ንብፆቱ ኣብሊፁ ዝርኢ ኣብ ግዜ ውግእ ድማ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ፅናሕ ዝብል መስተውዓሊ ጅግና ነይሩ። ጀግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ/ጫሕማይ/ ዝተሳተፈሎም ዓውደ ውግኣት ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ ናብ ኣሃድኡ ቀይሕ ኮኾብ ምዕራብ ግንባር ድሕሪ ምፅንባሩ ደመኛታት ፀላእቲ ንዓበይቲ ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ንምሓዝ ኣብ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ዝኸውን ሰራዊቶም ማለት ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ምልሻን፣ዕሱብ ሰራዊት ሻዕብያ ዝምከሐሎም ኣሃዱታት በዓል ናደው ክፍለ ሰራዊት 29ን 525 ዝበሃል ኮማንዶን ኣኪቦም ምስ ሙሉእ ጋዕ ገልጠም ካብ ደንጎላት ክሳብ ፊናሩባ ወርቀ ዲኖን ሳምረ ዝነበረ ቦታታት ብምዕፃው መራሕቲ ኣብ ክባ ብምእታው ዝሓሰብዎ ተንኮልን ውዲትን ብውሕሉል ኣመራርሓን ሰራዊትናን ዝተመርሐ ልኡኽ ንምፍፃም ጅግና ተጋዳላይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ/ጫሓማይ/ ንኣስታት ሰለስተ ማዓልታት ብዘይ ምንም ምግብን ማይን ዕረፍትን ካብ ኣፅቢ ተበጊሱ ናብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ዓብሶ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ቀትሪ ውግእ ጀሚሩ ። ኣብዚ ዓውደ ውግእ እዚ 525ን 29 ናደው ክፍለ ሰራዊት ሻዕብያ ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰስ እንተሎ ዓበይቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሻዕብያ ዝሞትሉን ዝተማረኹሉን ብርክት ዝበሉ ናይ ውግእ መሳርሕታት ተሽከርከርትን ዓበይቲ ሳተላይት ራዲዮን እንትማረኹ ጅግና ተጋዳላይ ሓውና ብፃይ ኣረጋው ገ/ፃድቅ /ጫሕማይ/ ብዝለዓለ ደረጃ ተዋጊኡ ዓወቱ ሓፊሱ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ብስራት ኣበሲሩ ንባዕሉ ፍሉይ ታሪክ ብወርቂ ቀለም ፂሒፉ ሓሊፉ እዩ። ቀፂሉ ድማ ካብ ሳምረ ዓዲ ዓብሶ ተበጊሱ ናብ ፅጌሬዳ ፣መጋብ ብምጉዓዝ ብምቅፃል ናብ ማኸላይ ዞባ ወረዳ ወርዒለኸ ፃኢ ዕንይንይ ዝበሃል ቦታ ምስ ኣሃዱኡን ብፆቱን ተጓዒዙ ቀፂሉ ድማ ናብ ዳዕሮ ሓፋሽ ፣ ስመማ ፣ ዕዳጋ ሰሉስ ፣ ጅራ እናተንቀሳቀሰ ብምፅናሕ ኣብ ዕዳጋ ሰሉስ ወረዳ ዓዴት ብዝተገበረ ሓድሽ ኣወዳድባ ሰራዊትና ሚያዝያ 01 2013 ዓ/ም ኣርሚ፣ ኮር ፣ክ/ሰራዊት ዝበሃል ቅድሚኡ ዘይነበረ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣርሚ 1 ኮር 101 ክፍለሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ኮይኑ ተመዲቡ። ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ብዕለት 12-08-2013 ዓ/ም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ዓዴት ጣብያ ሑመር ምስ ዕሱብ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ዝነበረ ውግእ ብዝለዓለ ወነ መሪሑን ተመሪሑን ተዋጊኡን ከም ልማዱ ድማ ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ። ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዝተገበረ ናይ ወፍሪ ኣሉላ ቅድመ ምድላው ኣብ ዝነበሩ ወታደራውን ፖለቲካን ስልጠናታት ተኸታቲሉ ኣዛዚ መስርዕ ብምኻን ኣሃዱኡ እናመርሐን እናተመርሐን ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል መሪር ጉዕዞ፣ጥሜትን ፃምእን ብፅንዓትን ሓቦን ኣብ ተምቤን ብምእታው ኣብ ኣግበ ዝተብሃለ ቦታ ናይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነጥቢ መቀይሮ ዝኾነ ወፍሪ ኣሉላ ተባሂሉ ዝተሰየመ ዓውደ ውግእ ካብ ዕለት 11 ሰነ 2013 ዓ/ም ክሳብ 19 ሰነ 2013 ዓ/ም ንተኸታታሊ 8 መዓልታት ብዘይ ዕረፍትን ጥሜትን ፃምእን ኣብ ኣግበ ፣ ሰለ፣ ሸውዓተ ሕጉም ፣ የጭላ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ምዉትን ቁሱሉን ምሩኹን ምስ ሙሉእ ጋዕ ገልጠሙ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ንክውዕል መብዛሕቲኡ መሬት ትግራይ ሓራ ንክወፅእ ብዝተገበረ ውግእ ብሉዑል ሓቦን ፅንዓትን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ፍሉይ ወርቃዊ ታሪክ ፂሒፉ ሓሊፉ እዩ ። ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ካብ ዕለት 22-10-2013 ዓ/ም ካብ ተምቤን ተበጊሱ ዕለት 25-10-2013 ዓም ናብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ጣብያ ደደቢት ኣብ ዝርከብ ድልድል ተከዘ ምስ በፅሐ ናይ ምክልኻል ስራሕትን ከምኡ ድማ ንኣስታት ሓደ ወርሕን ሰለስተ ሰሙንን ዝከውን ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ናወሰደ ድሕሪ ምፅናሕ ብዕለት 18-12-2013 ዓ/ም ካብ ደደቢት ተበጊሱ ን እንዳባጉና፣ዓዲ ገብሩ ፣ ተከዘ ድልድል ፣ እምባ ማድረ፣ ማይ ፀብሪ ፣ ዓደርቃይ፣ በሪ ማርያም ፣ ጨው በር ሓሊፍካ ድሕሪ ምኻድ ኣብ ከተማ ዛሬማ ንክልተ ማዓልቲ ድሕሪ ምፅናሕ ልክዕ ንጉሆ ዕለት 20-12-2013 ዓ/ም ሰዓት 9 ናይ ለይቲ ጉዕዞ ተጀሚሩ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ንምእማኑ ዝኸብድ ዓበይቲ ጎቦታት ሰሜን ሽንጥሮታ ዛሬማ፣ማይ ጥምቀት ጥራይና ዝተብሃሉ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ሓሊፉ ብዕለት 21-12-2013 ዓ/ም ሰዓት 8 ቀትሪ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ፍሉይ ቦታ ኣጅሬ ጠሊሞይ ኪዳና ምህረት ንዝተወሰነ ሰዓታት ዕረፍቲ ብምግባር ተሃንዲዱ ምስ ዝመፀ ፀላኢ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ንተኸታታሊ 3 መዓልቲ ዝተገበረ ውግእ ምስ ኣሃድኡ ኮይኑ ብጅግንነት መሪሑን ተመሪሑን ተዋጊኡ እዩ። ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ብዕለት 24-12-2013 ዓ/ም ካብ ጠሊሞይ ኪዳነ ምህረት ንኣንፈት ምብራቅ ብምብጋስ ድሕሪ ናይ 11 ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ጣብያ ዓዲ ጋራድ ዝተብሃለ ቦታ ንክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዶም። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ፀንሒት ብዕለት 26-12-2013 ዓ/ም ንሩባ ሊያ ቆሪፅካ ብምስጋር ኣብ ሞንጎ ደባርቅን ዳባትን ዝርከብ ቀበሌ ውቅን ፍሉይ ቦታ ጭኖ ተ/ሃይማኖት ኣብ ዝነበረ ግምባር ዝነበረ ዓውደ ውግእ ንሓዊ ብሓዊ ንምምላስ ምስ ዝነበረ ድሩዓት ኣፅዋራትን ሽሾ ሰራዊት ፀላእቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ፍሉይ ሓይሊ ምልሻ ኣምሓራ፣ ፋኖ፣ ሻዕብያ፣ ገጢሙ ንኸባቢ 12 ሰዓት ዝኣክል ብዘይ ዕረፍቲ እናተዋገኣን እናዋገኣን እንተሎ ልክዕ በቲ ዕለት ማለት 26-12-2013 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ቀትሪ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ መበል 29 ዓመቱ ብኽብርን ብጅግንነትን ምእንቲ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክብል እታ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቱ ገቢሩ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ሓሊፉ እዩ። ጅግና ስዉእ ብፃይ ኣረጋዊ ገ/ፃድቅ /ጫሓማይ/ ስነስርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ ወረዳ ዳባት ቀበሌ ውቅን ፍሉይ ቦታ ጭኖ ተ/ሃይማኖት ቤተክርስትያን ብክብሪ ተፈፂሙ። ዳግማይ ቀብሪ ኣጎዎል ድማ ብዕለት 21-01-2016 ዓ/ም ኣብ ትውልዲ ዓዱ መላእ ቤተሰብን ብፆቱን መሓዙቱን ኣብ ዝተረኸብሊ ተፈፂሙ።