ጎይታና ሰለሙን መናስቦ

  • ትውልዲ ቦታ: ዞባ ደቡብ፣ ወረዳ እምባ ኣለጀ፣ ጣብያ ቀይሕ ተኽሊ፣ ቁሸት ተለማ
  • ዕለተ‐ልደት: 26/01/1991
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 28/03/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: መርሳ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን መናስቦ ካብ ኣቦኡ ስዉእ ሰለሙን መናስቦ ሃይሉ ካብ ኣዲኡ ወ∕ሮ ሊላይ ወልዱ ብዕለት 26 መርሒ መስከረም 1991 ዓ∕ም ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ወረዳ እምባ ኣላጀ፣ ጣብያ ቀይሕ ተኸሊ፣ ቁሸት ተለማ ተወሊዱ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን ፍቅሪ ኣቦ ከየስተማቀረ ኣብ ዕሸል ንእስነቱ ኣብኡ ዝሰኣነ ጅግና ተጋዳላይ እዩ። ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን መናስቦ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተለማ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዝለዓለ ዉፅኢት ብምምዝካብ ካብ 1ይ ደረጃ ክሳብ 3ይ ደረጃ ብምምፃእ ኩሉ ግዜ ሽልማት እናወሰደ ዝመፀ በዓል ንቁሕ ኣእምሮ እዩ። ካብዚ ብምቅፃል ብሄራዊ ክልላዊ ፈተና 8ይ ተፈቲኑ ልዑል ዉፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓፀላ ካብ 9ይ ክፍሊ ክሳብ 12 ክፍሊ ብተመሳሳሊ ልዑል ዉፅኢት ብምምዝጋብ ፀብለልታ ብምርኣይ ዛዚሙ እዩ። እዙይ እዉን ብስድርኡ፣ ብመማህራኑን መሓዝቱን ምስጉንን ንፉዕን ተምሃራይ ምንባሩ ይምስከረሉ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ብምዉዳእ ኣብ 12 ክፍሊ ዘምፅኦ ልዑል ነጥቢ ናይ ድግሪ ትምህርቱ ኣብ ኣክሱም ዩንቨርስቲ ብቴክስታይል እንጅነሪንግ ክሳብ 2013 ዓ∕ም ካብቶም ሰቀልቲን ንፉዓትን ዝበሃሉ ተምሃሮ ሓደ ምዃኑ ብዝለዓለ ነጥቢ እናቀፀለ 3ይ ዓመት ዝበፅሐ ተምሃራይ ዩንቨርስቲ ነይሩ እዩ። ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን መናስቦ ንዓዱን ንቤተሰቡን በቲ ሒዝዋ ዝነበረ መንፋዕቲ ካብቶ ዓብይ ተስፋ ዝግበረሎም በዓል ብሩህ ተስፋን ብሉፅ ተምሃራይን ምንባሩ ካብ ድሕረ ባይታኡ ምግንዛብ ይከኣል እዩ። ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን መናስቦ ኣብ ትግራይ ብዝተወለዕ ጁነሳይዳዊ ኲናት ኣነ እነሃለኹ ኣቦ ትግራይ ርእሱ ኣየድንን፣ ኣዶ ትግራይ ብማሕረድቲ ደቃ ኣይትነብዕን፣ ዋዕሮ ሓፍተይ አይትድፈርን፣ ናይ ፅባሕ ተስፋታት ዝኾኑ ህፃናት ክሕረዱን ክሽበሩን የብሎምን ሃይማኖት ትካላት ዓደይ ብዝረኸሱ ርኹሳን ፀላእቲ ኣይራኸሱን ገዛዉቲ ኣቦ ትግራይ ኣይቃፀሉን ብምባል ወርሒ መስከረም 2014 ዓ∕ም ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ገረብ ግባ ብምኻድ ኣብ ኣሃዱ ተመዲቡ ብቁዕ ስልጠና ምስ ሙሉእ ሞያዊ ስነምግባር ምክትታል ጀሚሩ። ድሕሪ ፃንሒት ስልጠና ገረብ ግባ መሰልጠኒ ማእኸል ብዕለት 27/2/2014 ዓ/ም ናብ ኣርሚ 42 ኮር 421 ክፍለ ሰራዊት መቐለ ቦጠለኒ 1 ኣብ ፍሉይ ቦታ ካዛኪስታ ተፀምቢሩ። ኣብ ካዛኪስታ ካብ ዕለት 28/02/2014 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/03/2014 ዓ/ም ዝነበረ ሓያል ኩናት ብምስታፍ ንፀላኢ ሓደሽደሽ ከብልዎ ክኢሎም እዮም። ብድሕሪኡ ኩሉ ዓይነት ምድላዉ እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ካዛኪስታ ብዕለት 06/03/2014 ዓ/ም ናብ ጭፍራ ኣትዮም ክሳብ ዕለት 15/03/2014 ዓ/ም ፀላኢ ብዝወረዶ ሓያል ዉቅዒት ስለዝሰንበደ ክቕልቀሎም ኣይከኣለን አብቲ ቦታ ኮይኖም ፃምእ ጥሜትን ቁርን ተፃዊሮም ፀላኢ ስድሪ ንከይስድር ዝተዉሃቦም ናይ ምክልኻል ሓለፍነት ብኣግባቡ ካብ ዝተወፅኡ ሓደ ጅግና ስዉእ ታጋደላይ ጎይታና ሰለሙን መናሰቦ እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ፃንሒት ፀላኢ ዕድለይ ክሙክር እየ ኢሉ ብዝገበሮ ፈተነ ካብ ዕለት 16/03/2014 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/03/2014 ዓ/ም ንተኸታታሊ 3 ማዕልቲ ኣብ ጎቦ ጭፍራ ዝተኻየደ ህልኽ ዘወድእ ዉግእ ስዉእ ተጋዳላይ ጎይታና ሰለሙን ኣብቲ ወሳናይ ዉግእ ኦፕሬተር ኮይኑ ዝተዋግአን ዘዋግአን ጅግና እዩ። ድሕሪ እዙይ ንፀላኢ ብዘዉደቅሉ ሓያል ዉቂዒት ዓቅሙ ክዳኸም ብምግባር ብዕለት 23 ናብ ሃይቅ ብምጉዓዝ ወረባቡ ዝተብሃለ ፍሉይ ቦታ ክዓርፉ ተገይሩ እዩ። ኣብ ወረባቡ ዕረፍቲ ጥራሕ ኣይኮነን ፀላኢ ንከይኣቱ ብዕቱብ እናተኸላኸሉ ዝፀንሕሉ እዉን እዩ። ድሕሪ ምክልኻልን ምዕራፍን መንግስቲ ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ክምለስ ብዝኣዘዞ መሰረት ብዕለት 27/03/2014 ግቡእ ግዳጁ እናተወፅአ ብምፅናሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዕረፍቲ ምስ ብፆቱ ኣብ መልሲ እናሃለዉ ብዕለት 28/03/2014 ዓ/ም ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ናይ ዱሮን ቁምብላ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ደመይ ከየፍሰስኩ ደርጋ ዘይተፈጠርኩ ኢሉ ሓሪኑ ወፂኡ ብሕራነን ጅግንነትን እታ መተካእታ ዘይብላ ሂወቱ ኣብ መርሳ ክሓልፍ ክኢሉ እዩ።