
ሮዛ ኣብርሃ ዓረዶም
- ትውልዲ ቦታ: መቐለ
- ዕለተ‐ልደት: 29/12/1992 ዓ/ግ
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 01/04/2014
- ቦታ መስዋእቲ: ቀይጋራ/ዞብል
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሮዛ ኣብርሃ ዓረዶም ብ ነሓሰ 1992 ዕለት 29 ተወሊዳ ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ካቶሊክ ቤት ትምህርቲ ተማሂራ ፣ 10ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ፍረ-ኣብዬት/ሓወልቲ ፣መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዬውሃንስ ተኸታቲላ፠ mirco-link ኮሌጅ መቐለ ተምሃሪት ICT 2ይ ዓመት እንዳሃለወት ዕለት 3/10/2013 ዓ/ግ ናብ መኸተ ሓረቖ ዝበሃል ከባቢ ግጀት ተፀምቢራ፨ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ክሳብ መስዋእቲ ዕለት ክፍለ ሰራዊታ ኣብ ዝተሳተፈቶም ሙሉእ ዓውደ ውግእ ተሳቲፋ ኣብ ኣርሚ 42 ኮር 1 ክ/ሰራዊት መቐለ ካብ ተራ ኣባል ሰራዊት : ፀኒሓ ፐርሶኔል : ብዝነበራ ብሉፅ ንቕሓት ን ትምርቲ ሕክምና ተሓርያ ፣ ተማሂራውን ናይ ክፍለጦር ሓኪም ብምኻን እስካ ዕለተ መስዋእታ ኣገልጊላ። ብ ደቂ ኣሃዱኣ ኣዝያ ፍትውትን ከም ካልአይቲ ናይ በረኻ ኣዶን ይሪኡዋ ነበሩ።