ሱባጋዲስ ስብሓት ሓጎስ

  • ትውልዲ ቦታ: ኢሮብ_ኣራዕ_ናባዳጋ
  • ዕለተ‐ልደት: 03/04/1993ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 01/04/201ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ጋሽና(ሃሙስት)

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ ካብ ኣቦኡ ስብሓት ሓጎስ ስብሓት ፣ካብ ኣድኡ ወ/ሮ ፍስሓ ኣብራሃ ተስፋይ ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ወረዳ ኢሮብ ፣ ጣብያ ኣራዕ፣ቁሸት ሓላልዓሳ | ፉሉይ ቦታ ዓሳዳ / ናባዳጋ ብዕለት 03 / 04 / 1993 ዓ/ም ተወሊዱ። ሱባጋዲስ ንቤትሰቡ ኣብ ሞጓሰን ካልኦት ዝተፈላለዩ ስራሕቲን እናሓገዘ ፀንሑ ዕድሙኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ብ2003 ዓ/ም ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ማሪያቶ፣ ትምህርቲ ጅምሩ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ተማሃረ። ቀፅሉ ካብ 5ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ኣብ ሙሉእ 2ይ ብርኺ ቤት ት/ቲ ጋለሎ ኣጠናቂቁ ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት፣ንቤቱሰቡ ፣ ንመሓዙቱ ከምኡ ድማ ንኩሎም ደቂ ሰባት ዝላዓለ ክብሪ ዝህብ ፣ መስተዋዓሊ ፣ ዓቃል፣ ስቅተኛ ፣ ብጣዕሚ ሙእዙዝ ፣ ሓጋዚ ወለዱን ኣላይ ስድራን ፣ ኣብ ትርፍ ሰዓቱ ድማ ፈታዊ እግሪ ኩዕሾ፣ቮልቮልን ካልኦት ስፖራታዊ ፀወታታትን ነይሩ። ስውእ ጅጋና ተጋዳላይ ሱባጋዲስ ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ናብ ፉሉይ ሓይሊ መስልጠኒ ማእኸል ላጪ/መቀለ ብዕለት 22/11/2011 ዓ/ም ብምእታው ንኣስታት 2ተ ወርሒ ዝተፈላለዩ ፖለትካዊን ወታደራዊን ስልጠናታት እንዳወሰደ ድሕሪ ምፅናሕ 02 መስከረም 2012 ዓ/ም ተመሪቁ፣ ናይ ቤርጌድ-9ተ፣ሬጅመንት-5ተ፣ ሓይሊ-3፣ጋንታ 3 ፣ መስርዕ-1 ኣባል ኮይኑ ናብ ካምፒ ፉሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ከተማ ደስኣ ተመደበ። ተጋዳላይ ሱባጋዲስ ካብዚ ቀፅሉ ኣብቲ ዝተመደበሉ ካምፕ ደስኣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ብምፅናሕ ብዕለት 23/02/2013 ዓ/ም ምስ ኣሃድኡ ኮይኑ ናብ ዞባ_ስሜን_ምዕራብ ከተማ ሽራሮ ተጓዓዘ። ብድሕሪ እዚ ልፍንታዊያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ንምእዋጅ ዝሓዝዎ ትልሚ ቀዲምካ ንምፍሻል ኣብ ዝተገበረ መከላከሊያ ስራዊት ኢ/ያ ዕጥቕ ናይ ምፍታሕ ኦፕሬሽን ፣ ብዕለት 24/02/2013 ዓ/ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ፉሉይ ቦታ ባድመ ፣ ጓል-ባድመ ኣብ ዝበሃል ወታሃደራዊ ካምፕ ዝነበሩ፣23ተኛ ክፍሊ ጦር ዕጥቆም ክፈትሑን ክድምሰሱን ናይ ምግባር ልእኽ ሒዙ ምስ ኣሃድኡ ኮይኑ ናብ መዳፍዕን ሰራዊት ብክላሽ ገጥሙ ብልዑል ወነን ሓቦን ተዋግኡ ግቡኡ ፈፅሙ እዩ ፣ ስውእ ጅግና ተጋዳ ላስስይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ ስብሓት ብዕለት 25/02/2013ዓ/ም ኣብ ዓዲ-ሃገራይ ፣ ብዕለት 26/02/2013 ዓ/ም ኣድመይቲ ፣ ብዕለት 29/02/2013 ዓ/ም ኣብ ዓድኾኾብ ፣ ብዕለት 03/01/2013 ዓ/ም ኣብ ፀሊሞ፣ብዕለት 03/04/2013 ዓ/ም ኣብ ሰለኽለኻን ካልኦትን ወታደራዊ ካምፕታት፣ዝ/ዩ ኣ ፅዋራትን ወታደራት ኢ/ያን ብዝገርም ጅግንነትን ትብዓትን ዝማረኸን ዝደምሰሰን ጅግና ምንባሩ ብፆቱ ብሃንድበቶም ይምስክርሉ። ካብዚ ብምቕፃል ኣብ ሽረ፣ ኣብ ዙሪያ ዓድዋ ፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ነበለት፣ ወዘተ ኣብ ዝተገበረ ኩሎም ውግኣት ብምስታፋ ናይ ባዕሉ ታርኽ ዝሰርሐ ጅግና ወዲ ህዝቢ ነይሩ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ከባቢ ወርቃምባ “በቢወረዳኹም ተጠናከሩ'' ዝብል መምርሒ ካብ ላዕሎዎት ሓለፍት ምስ ወረደ፣ ብመሰረት 'ቲ ዝወረደ መምረሒ ምስ ክልተ ብፆቱ ኮይኑ ካብ ወርቃምባ ተላዒሉ ኣሻሓት ሰራዊት ብልፅግናን ሻዕብያን ዘዕርፈለን ከተማታት ኣስፋልቲ ብለይቲ ቀትሪን እናቆራረፀ በቲ ሽዑ ግዜ ሓራ መሬት ናብ ዝነበረት ከተማ ኣፅቢ ኣምርሐ። ብምቅፃል ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ፣ ምስ ቤት ሰቡ ዝተወሰነ ማዓልት ዕረፍቲ ወሲዱ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ናብ ዝነበሩ ሰራዊት ድሕር ምፅምባር ብዕለት 22/04/2013ዓ/ም ኣብ ኩናት ኣዎ ምስ ሻዕብያ ገጢሙ 14 ሞርታር፣9ተ ስናይበር፣4ተ ብሬንን ብኣእማቲ ዝቁፀሩ ክላሽትን ብርክት ዝ በለ ሎጀትክስ ዝሓዛ መኻይንን ካብ ሰራዊት ሻዕብያ ብምምራክ ናብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ንክኣቱ ካብ ዝተኳሽሑ ሓደ ነይሩ!! ቀፅሉ ድማ ካብ ዕለት 27/04/2013 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/05/2013ዓ/ም ኣብ ኣራዕሮ፣ገረቢኖ፣ እንዳሞሳ፣ሰብዓታን ድድባንን ኣብ ዝተኻያደ ሓዝ-ክሕዝ ውግኣት ግደ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ ዓብይ ነይሩ፣ ብድሕሪ እዚ ንሕደት ኣዋርሕ ዓርፉ ብምፅናሕ 21 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ በረኻታት ትግራይ ናብ ከተማታት ትግራይ ምስተመልሰ ብዕለት 27/10/2023 ዓ / ም ኣብ ዓድግራት ወታደራዊ ካምፕ ናብ ሰራዊት ትግራይ 313 (31) 313 ክ/ሰራዊት ኣሞራ ፣ ሬጅመንቲ 4ተ ፣ ሓይሊ 2ተ ኮይኑ ኣብ ወረዳ ጉለምኻዳ ፣ዓዲ-ኣውልዕ ዝባሃል ቦታ ተመደበ።ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስባሓት ሓጎስ፣ ኣብ ግምባር ዛላምበሳ(ዓድ ኣውልዕ) ንኣስታት 2ተ ወርሒ ተወሳኺ ወታዳራዊ ስልጠና እናወሰደ ድሕር ምፅንሕ ብዕ ለት 01/08/2014 ዓ/ም ካብ ግምባር ዛላምበሳ ተበግሱ ናብ ክልል ኣምሓራ(ግምባር ደቡብ) ፉሉይ ቦታ ስርንቃ ብዕለት 09/01 / 2014 ዓ/ም ኣተወ። ካብ ዕለት 09/01/2014 ዓ/ም ጀምሩ ክሳብ ዕለት 29/01/2014 ዓ/ም ን20 መዓልታት ኣብ ከበሳታት ስርንቃ፣ እውን ዝተፈላለየ ተወስኺ ወታሃደራዊ ስልጠና እናወሰደ ድሕር ምፅናሕ ብዕለት 30/01/2014 ዓ/ም ናብ ዓብይ ጎቦ ኣምባሰል እግሩ ብምምራሕ ካብ ዕለት 01/02/2014 ክሳብ 07/02/2014 ዓ/ም ብወፍር ፀሓይ ብራቅ ዝተሰየመ ውግእ ጎቦ ኣምባሰል ንምእማኑ ዘፀግም ተፈሮኣዊ መስናክል ዝበዝሖን፣ ኣዝዩ በረዳማ ዝኾነ መሬትን ፣ጠምዩኒ፣ፀሚኡኒ፣ደኽሙኒ እንከይበለ ብዝለዓለ ወነን ሓቦን ግዳጁ ዝፈፀመ ጅግና ወዲ ህዝቢ ነይሩ። ካብኡ ብምቅፃል ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ካብ ዕለት 15/02/2014ዓም ክሳብ 19/02/2014 ዓ/ም ኣብ ውጫሌ፣ወርጌሳ፣ሃይቂ፣ደምጠማኝ፣ በርሜዳ፣ዴሴ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣዛዚ ጋንታ ኮይኑ ኣዋግኡን ተዋግኡን እዩ ። ካብዚ ብምቅፃል ካብ ዕለት 5/03/2014 ክሳብ ዕለት 07/03/2014 ዓ/ም ንክልተ ተኸታታሊ መዓልትታት ኣብ ሰሜን ወሎ ፉሉይ ቦታ ሰምበቴ ኣብ ዝተባሃለ ቦታ ብፉሉይ ብቅዓትን ጅግንነትን ተወግኡን 'ዩ። ብድሕሪኡ ድማ ካብ ዕለት 11/03/2014 ክሳብ 12/03/2014 ዓ/ም ን24 ሰዓታት ብዘይምቁራፅ ዝተገበረ ፅዕፁዕ ውግእ እውን ጋንታ መራሒ ኮይኑ እናዋገአን እናተዋገአን ናብ ሽሜን ሽዋ ከተማ ሽዋሮቢት ኣተወ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ ስብሓት ካብዚ ቀፅሉ ካብ ዕለ ት 19/03/2014 - ዕለት 20/03/2014 ዓ/ም ናብ ክልል ዓፋር ብምጉዓዝ ብጭፍራ ቆርፁ ንውልድያ ክሓልፍ ዝመፀ ፀላኢ ኣብ ወረባቡ ዝተባሃለ ፉሉይ ቦታ ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰስ ፉሉይ ናይ ጅግንነትን ስሪሕትን ዝሰርሐ ጅግና ነይሩ። ብዕለት 21/03/2014 ዓ/ም ካብ ወረባቡ ተበጊሱ መሰመር ወልድያ ብምስንጣቅ ናብ ከባቢ ጋሽና ፉሉይ ቦታ ሃሙሲት ተጓዓዘ። ስውእ ተጋዳላይ ስባጋድስ ስብሓት ሓጎስ ስብሓት፣ኣብ ጋሽና ድሕር ምብፅሑ ብመስመር ነፋስ ማውጫ፣ላሊበላን ባህርዳርን ገይሩ ንመሰመር ወልድያን ጠቅላላ ሰራዊት ትግራይን ከቋርፅ ሓሲቡ ዝነበረ፣ ጥምር ጦር እናተብሃለ ዝፅዋዕ መከላከ ሰራዊ ት ኢ/ያን እኽብካብ ሰራዊት ክልላትን ካብ ዕለት 23/03/2014 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/03/2014 ዓ/ም ንተኸታታሊ 7ተ መዓልቲ ምስ ልዕሊ 8 ጥምር ጦር ኢድ ንኢድ ገጢሙ ትልሚ ፀላኢ ክፍሽል ካብ ዝገበሩ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢን ሰብ ዕላማን ትግራይ ሓደ ነይሩ። ካብዚ ቀፅሉ ድማ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ስብጋድስ ስብሓት ኣብ ዝቀፀለ ሓያልን ፁዕፁዕን ውግእ ኣብ ከባቢ ጋሽና ፉሉይ ቦታ ሃሙስት እናዋገአን እናተዋገእን እናሃለወ ብዕለት 01/04/2014 ዓ/ም ንጎሆ ከባቢ ሰዓት 11: 00 ካብ ጸላኢ ብዝተቶኮሰት ናይ ስናይፕር ጥይት ግንባሩ ተወቂዑ ኣብ መበል 21 ዓመቱ ንቤዛ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ኮይኑ ሓሊፉ፣ ሰነ-ስርዓት ቀብሩ ብዕለት 02/04/2014 ዓ/ም ኣብ መካነ መቃባር ሃርበኛታት ዞባ ደቡብ ከተማ ኣላማጣ እንዳመድሃኒለም ቤት ክርስቲያን ተፈፂሙ። ካልኣይ ቀብሩ ድማ ቤትሰቡ ፣ ፈተውቱ፣ መታዓብቱን መሓዙቱን ኣብ ዝተረኸበሉ ፣ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ወረዳ ኢሮብ፣ ካብያ ኣራዕ፣ቤተ-ክስርስትያን ቅድስት ስላሴ ምስ ካልኦት ቤዛ ህዝቦምን ዓዶምን መስ ዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስማእታት ተፈፅሙ።