
ገብረኪሮስ ገብረክርስቶስ በየነ
- ትውልዲ ቦታ: በጋሽኻ፣ቆላ ተምቤን
- ዕለተ‐ልደት: 12/7/1980
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 27/01/2015
- ቦታ መስዋእቲ: አግበ መሰልጠኒ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ስውእ ተጋዳላይ ገብረ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ገ/ክርስቶስ በየነ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ተክለ ደሳለይ ኣብ ማእከላይ ዞባ ወረዳ ቆላ ተምቤን ፍሉይ ቦታ በጋ ዓብዪ ብዕለት 12/07/1980 ተወለደ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ናብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ፈለገ ሂወት (መንፈሳዊ ትምህርት ቤት) በግዓ ማርያም ብምኻድ ትምህርቲ ሀ ኢሉ ቀጸለ ክሳብ መኣርገ ዲቁና በጺሑ ህዝቡን ቤተክርስቲያንን እናገልገለ ጸኒሑ 'ዩ፤ ገብረ ፈታዊ ሓውን ዓዱን 'ዩ ነይሩ፤ ሓውና ገብረ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ዕሽላት ደቃንስትዮን እዩ፤ ሓውና ገብረ ኣብ ዓድና ዝወረደ መከራን ደረዓን ንምምካት ኣብ ስልጠና እናሃለወ ካብ ጸላኢ ብዝተተኮሰ ቁምቡላ ብዕለት 27/01/2015 ዓ.ም ክቡር መስዋእቲ ምክፋል ሂወቱ ክሓልፍ ክኢሉ እዩ፤ ሓውና ንዓዱን ንህዝቡን ክብል ዝሓለፈ 'ዪ እምበር ብከንቱ ኣይሞተን።