ኣብርሃ ገብረኪዳን ኣርኣያ

  • ትውልዲ ቦታ: እንዳባሃደራ፣ ጣብያ ኣማኒት፣ እንደርታ
  • ዕለተ‐ልደት: 24-06-1998 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 01-01-2015 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ግንባር ኣዲያቦ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ኣደዋይ ማንታ ሓዋ ነይርዋ ስሙ ድማ ኣብርሃ ገ/እግዛብሄር ይበሃል ልዕሊ 10 ዓመት ምስ ደርጊ ተዃሺሑ ብሂወት ተሪፉ ነይሩ ኾይኑ ግን ምስ ሻዕቢያ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ጅግና ኣኮይ ይስዋእ ዳሕር ምዕባይ ሓፍተይ ብ1998 ዓ/ም ካብ ተጋ.ኣስሩ (ገሬ) ትወልድ እሞ ኣደይ ድማ ደስ ኢልዋ መተካእታ ሓወይ ኢላ ኣብርሃ ኢላ ኣውፂእትሉ ኣብርሃ ድማ ልክዕ ከም ኣኩኡ ብዕሸል ዕድምኡ ተሰዊኡ። ነብስኻ ኣብ ገነት የንብሮ ፈጣሪ። (ኣታኽልቲ ነጋ)