
ኣብርሃ ገብረኪዳን ኣርኣያ
- ትውልዲ ቦታ: እንዳባሃደራ፣ ጣብያ ኣማኒት፣ እንደርታ
- ዕለተ‐ልደት: 24-06-1998 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 01-01-2015 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ግንባር ኣዲያቦ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ኣደዋይ ማንታ ሓዋ ነይርዋ ስሙ ድማ ኣብርሃ ገ/እግዛብሄር ይበሃል ልዕሊ 10 ዓመት ምስ ደርጊ ተዃሺሑ ብሂወት ተሪፉ ነይሩ ኾይኑ ግን ምስ ሻዕቢያ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ጅግና ኣኮይ ይስዋእ ዳሕር ምዕባይ ሓፍተይ ብ1998 ዓ/ም ካብ ተጋ.ኣስሩ (ገሬ) ትወልድ እሞ ኣደይ ድማ ደስ ኢልዋ መተካእታ ሓወይ ኢላ ኣብርሃ ኢላ ኣውፂእትሉ ኣብርሃ ድማ ልክዕ ከም ኣኩኡ ብዕሸል ዕድምኡ ተሰዊኡ። ነብስኻ ኣብ ገነት የንብሮ ፈጣሪ። (ኣታኽልቲ ነጋ)