ዓወት ካሕሳይ ወልደ ሃይማኖት

  • ትውልዲ ቦታ: ውቅሮ
  • ዕለተ‐ልደት: 03/10/1992
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 27/03/2014

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ዓወት ካሕሳይ ካብ ኣቡኡ ካሕሳይ ወ/ሃይማኖት ከብ ኣዲኡ ሓዳስ አበራ ብ1992ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቅሮ ተወሊዱ፣ 1ይ ብርኪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰላም፣ 2ይ ብርኪ ኣብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ውቅሮ እንትመሃር አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን(TVET)ድማ ብዲፕሎማ ተመሪቁ እዩ። ብድሕሪ እዚ አብ ትግራይ ብዘጋጠመ ጽንተታዊ ወራር ንምክልኻል ብ2013 ዓ/ም ንስለ ዓዱ ክብል በረኻ ወሪዱ ኣብ ኣርሚ 42 ተፀምቢሩ ብግምባር ዓፋር ክሳብ ጋሳጊታ ተሳቲፉ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘጋጠመ ደብዳብ ድሮን ድማ ብዕለት 27/03/2014 ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ንስለ ህዝቡን ሃገሩን ክብል እታ እንኮ ሂወቱ ሂቡ.....ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ዓወት ካሕሳይ። "ክብርን ሞገስን ንኩሎም ስዉኣትና"