
ኣባዲት ተኽላይ ብርሃነ
- ትውልዲ ቦታ: ወረዳ እገላ፣ ጣብያ ዕርዲጀጋኑ፣ዕዳጋ ሮቡዕ
- ዕለተ‐ልደት: 30/01/1995
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 20/01/2015
- ቦታ መስዋእቲ: ዛጊር
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳሊት ኣባዲት ብ 1995 ዓ/ም ካብ ወላዲኣ ተኽላይ ብርሃነን ወላዲታ ሃይማኖት ዮሃንስን ኣብ ወረዳ እገላ ጣብያ ዕርዲ-ጀጋኑ ተወሊዳ።ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርታ ኣብ ዕዳጋ ረቡዕ ድሕሪ ምጥንቃቅ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ድማ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት/ቲ እገላ እናተከታተለት ድሕሪ ምፅናሕ ወራር ፅንተት ትግራይ ተኣዊጁ። ብ ዕለት 30/01/2014 ናብ ሜዳ ወሪዳ ኣብ ኣርሚ 35 ኮር 351 ክ/ሰራዊት ዃርተር እናተቃለሰት ድሕሪ ምፅናሕ ብ 20/01/2015 ዓ/ም ኣብ ኣድያቦ ፍሉይ ቦታ ዛግር ካብ ፀላኢ በዝተተኮሰ ሞርታር ብክብሪ ተሰዊኣ።