
ሃይላይ መዝገቦ ገብረሂወት
- ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ብዘት ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ቁሸት ቆላ ኣረጋ
- ዕለተ‐ልደት: 10/3/1987
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 10/1/2015
- ቦታ መስዋእቲ: ዓዲ ነብርኢድ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳላይ ሃይላይ መዝገቦ ካብ ኣቡኡ ኣይተ መዝገቦ ገብረሂወት ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ መድህን ገብርሄት ኣብ ወረዳ ብዘት ጣብያ ሓጓ ኣረጋ ቁሸት ቆላ ኣረጋ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1-6 ኣብ ስምዕጭ ዛላ ተማሂሩ ካብ 7-10 ድማ ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ዓዲ ኣሕፈሮም ተማሂሩ። ብድሕሪ እዙይ ናብ መቀለ ብምኻድ ኣብ ስራሕቲ መስትያት ብምውፋር ንባዕሉን ንስድራ ቤቱን የመሓድር ነይሩ። ብ2013ኣ/ግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኵናት ኣብ ደጀን ኮይኑ ናተቃለሰ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014ኣ/ግ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ገረብ ግባ ብምእታው ስልጠንኡ ወዲኡ። ድሕሪ ስልጠና ምውድኡ ድማ ናብ ምዕራብ ግምባር ኣርሚ 13 ክፍለ ሰራዊት ኣድያቦ ተመደበ። ብድሕሪ እዙይ ኣብ ኣሃዱኡ ኮይኑ ብምቅላስ ብዙሓት ተልእኾታት እናፈፀመ ድሕሪ ምፅናሕ ኣዛዚ ጋንታ ኮይኑ እናተጋደለ ፀንሐ ድሕሪ እዙይ ወረርቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዳግማይ ናይ ፅንተት ውግእ እንትጅምሩ ካብ ሕረት ጀሚርካ ዓዲ ኣውዓላ ፣ገላድየስ፣ዓዲሃገራይ፣ዛግር ሒዝካ ክሳብ ብምሉኡ ሰየምቲ ኣድያቦ ኣብ ዝነበሩ ኩሎም ውግኣት እናዋግአን እናተዋግአን ድሕሪ ምፅናሕ ብዕለት 10/1/2015ኣ/ግ ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብርኢድ ኣብ ዝነበረ ሓያል ውግእ ጋንትኡ መሪሑ እናተዋግአን እናዋግአን እንተሎ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቂዑ ኣብ መበል 28 ዓመቱ ንምእንተ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተሰዊኡ። ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን!! ክብርን መጎስን ንሰማእታትና