መዝገበ ብርሃን ገብረፃድቕ

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ ሩባ ፈለግ ቁሸት ሕነይቶ
  • ዕለተ‐ልደት: 07/11/1992ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 09/02/2015ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ሰለኽለኻ ፍሉይ ቦታ ዓቐብ ሰርዓ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ስዉእ ተጋዳላይ መዝገበ ብርሃን ገብረፃድቕ ካብ ኣብኡ ተጋዳላይ ብርሃን ገብረፃድቕ ሽፋረ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኪዳን ሓዱሽ ካሕሳይ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ ሩባ ፈለግ ቁሸት ሕነይቶ ብዕለት 07/11/1992 ዓ/ም ተወሊዱ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በፀሐ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደራ ካብ 1ይ-8ይ ክፍሊ ብምውዳእ ቀፂሉ ድማ 9ይን 10ይን ኣብ ደራ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምውዳእ ድሕሪኡ ናብ ናይ ግሉ ስራሕ ንግድን ካልኦትን ኣትዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኣወጀ ወራር ፅንተት ኩናት ድማ ብዕለት 21/08/2014ዓ/ም በረኻ ብምውፃእ ተዓሊሙ ኣብ ናብ ኣርሚ 42 ኮር 422 ስለያ ጉጅለ ተመዲቡ እናተጋደለ እንከሎ ዕለት 09/02/2015ዓ/ም ኣብ ሰለኽለኻ ፍሉይ ቦታ ዓቐብ ሰርዓ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ምርታር ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ሓሊፉ!