ኣፅብሃ ገብረፃዲቕ ኣፅብሃ

  • ትውልዲ ቦታ: ኲሓ
  • ዕለተ‐ልደት: 15/12/1996
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 14/02/2014

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ኣፅብሃ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገብረፃዲቕ ኣፅብሃ፣ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ሰናይት ፍቓዱ ኣብ ኲሓ ብ1996 ዓ/ም ብኣቆፃፅራ ግእዝ ተወሊዱ። ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ወልደ ታትዮስ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከምኡ እውን ናይ ሰንበት ትምህርቲ ኣብ ማርያም ኲሓ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተምሃራይ ንይሩ። ኲናት ፅንተት ትግራይ ምስተኣወጀ ካብ ዝመሃርሉ 8ይ ክፍሊ ኣቋሪፁ ብ25/10/2013 ናብ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ተፀምቢሩ። ኣብ ክባቢ ፅጌረዳ ታዕሊም ብምውሳድ ብዕለት 1 ነሓሰ 2013 ናብ ኣሃዱ ተመዲቡ ኣብ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉ። ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ሓሊፉ። ኣፅብሃ ብጠባዩ ምስጉን፣ ብቤተሰቡን ኣዕርኽቱን ዝፍቶ ባህሪ ዝንበሮ ሰገን ነይሩ። ክብርን ሞጎስን ንኣፅብሃን ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትናን።