
መምህር ረዳኢ ገብራይ ገብሩ
- ትውልዲ ቦታ: ምብራቃዊ ዞባ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ
- ዕለተ‐ልደት: 01/01/1976 ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 23/02/2015 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ወረዳ እምባስነይቲ ፍሉይ ቦታ ዕንይንይ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
መምህር ረዳኢ ገብራይ ገብሩ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ገብራይ ገብሩ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ካሕሳ ኣረጋዊ ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ቀበሌ 03 መስከረም 1/1976 ዓ.ም ተወሊዱ፡፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስበፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ተማሂሩ፡፡ 10ይ ክፍሊ ምስ ወድአ ናብ ተምቤን መምህራን ኮሌጅ ተፀምቢሩ ብመምህርነት ብዲፕሎማ ተመረቐ፡፡ ንፈለማ እዋን ድማ ናይ ስፖርት መምህር ኮይኑ ኣብ እንትጮ ኣካባቢ መዘብር ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድሓር ድማ ኣብ ድብድቦ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ ሰርሐ፡፡ ብምቕፃል ናብ ወረዳ ሳ/ፃ/እምባ ተቐይሩ ኣብ ከተማ ፍረወይኒ/ስንቃጣ/ ዝርከብ ፈራውን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እናምሃረ ዝፀንሐ እንትኸውን ምስ ስርሑ ጎኒ ንጎኒ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ይመሃር ስለዝነበረ ብማኔጅመንት ዲግሪ ተማሂሩ ተመረቐ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ናይ ወረዳ ጉዳይ መናእሰይ ኮይኑ ተመደበ፡፡ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ባዕላ ኪኢላ ወረዳ ምስኮነት ድማ ኣብ ወረዳ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ጉዳይ መናእሰይ ኮይኑ ተመደበ፡፡ ኣብ ወረዳ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ጉዳይ መናእሰይ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን እቲ ውግእ ምስጀመረ ንመናእሰይ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢኣን መርኣያ ክኸውን ዝግበኣኒ ኣነ እየ ብዝብል ሕራነ መጀመሪያ ወሲኑ ብምውፃእ ናብ TDF ተፀንበረ፡፡ ኣብ ኣርሚ 92 ኮር 3 ክፍለ ሰራዊት ሃፍቶም ካብ ዝነበሩ ናይ ክፍለ ጦር ፖለቲካዊ ህንፀት መራሕቲ ሓደ ብምኳን ምስ ብፆቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ታሪኽ ዘይርሰዖ ጀግንነት እናሰርሐ ፀኒሑ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንኽትፍረም ሓንቲ መዓልቲ ምስተረፈታ ኣብ ዝነበረ ፁዕፁዕ ውግእ ኣብ ወረዳ እምባስነይቲ /ነበለት/ ፍሉይ ቦታ ዕንይንይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ጥቅምቲ 23/2015 ዓ/ም ብሞርታር ተወቒዑ ተሰዊኡ፡፡ ተጋዳላይ መምህር ረዳኢ ገብራይ ገብሩ ብዓል ሓዳርን ኣቦ 2 ቆልዑን ነይሩ፡፡ ሓወይ መዓረይ ኣብ ገነት ንበረለይ፡፡ ዕለት፡- 06/02/2016 ዓ.ም ደስታ ገብራይ ገብሩ