በሪሁ ኣባዲ ወልደገብርኤል

  • ትውልዲ ቦታ: ግጀት
  • ዕለተ‐ልደት: 29/8/1987
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: ሕዳር 7 2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ሚለ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ብ29 ሚያዝያ1987ዓ.ም ካብ ወላዲኡ ኣይተ ኣባዲ ወልደገብርኤል ወላዲቱ ወይዘሮ ኣልማዝ ሃይሉ ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ከተማ ግጀት ቁሸት ሽዋሮቢት ተወሊዱ።በረኻ ወፂኡ ክሳብ እታ ዝተጋደለላ ዕለት ብትምህርቱ ካብቶም ፀብለልታ ዝነበሮም መሓዙቱ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን ካብዚ ወፃኢ ድማ ኣብ ዝኣተዎ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ይኹን ሞያ ትጉህን ነገራት ቀልጢፉ ናይ ምርዳእ ተፈጥራዊ ብቕዓት ዝነበሮ እንትኾን ኩነታት ፖለቲካ ዓድና እውን ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ ኣትሒዙ የሕርቖ ከምዝነበረ ምሳይ(ወዲ ሓወቦይ እዩ)ከምኡ ድማ ካልኦት መሓዙትና ኣብ ንገብሮም ወግዕታት ክርዳእ ኽኢለ እየ። እዚ ጅግና ብፃይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓሽራይ ክፍሊ ኣብ ግጀት ብልዑል ውፅኢት እናተኸታተለ እኳ እንተፀነሐ ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ግን ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ኣብ ዘለው ስራሕቲ ይኹን ሞያ ውን ኣዝዩ ንቑሕን ትጉህን ስለዝነበረ ብተወሳኺ ድማ ንባዕሉ ኮነ ስድርኡ ክልውጠሉ ዝኽእል ሓፂር መገዲ ትምህርቲ ኣቋሪፁ ኣብ መቐለ ዓዲሓቂ ብናይ ውልቅኡ ዘመናዊ ስፌት ክዳውንቲ ክነጥፍ እዩ ወሲኑ። ደሓር ፅንተት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ምስተኣወጀ ቀደሙ ውን ብትግራይ ዓዱ ሕሩር ዝነበረ በሪሁ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013ዓ.ም በረኻ ወፂኡ። ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሚያዝያ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ዓንጓ(ሚጃ)ሰልጢኑ ድሕሪ ምምራቑ ናብ ናይ ደቡብ ግንባር ክፍለ ሰራዊት ኣላጀ ተመዲቡ። ፈላማይ ውግኡ ኣብ ዓብዪ ውግእ ወፍሪ ኣሉላ(Alula Operation)ዘካየደ ኮይኑ ኣብዚ ናይ ፈለማ ውግኡ ኣብ የጭላመበል ካልኣይ መዓልቲ ኣብ የማናይ እግሩ(ዳንግኡ)ብናይ ዶሽቃ ጥይት ተወቒዑ ኸቢድ መቁሰልቲ ስለዘጋጠሞ ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሃዋሽ ሕክምና ተኸታቲሉ። ብድሕሪኡ ኣብ መስከረም 5 2014ዓ.ም ናብ ኣሃድኡ ተመሊሱ። መስከረም 17 ኣርሚ44 ዝተጣየሸትሉ ግዜ ኣብ ኮር 3 ክ/ሰ ኣላጀ ሬጅመንት 80 ሓይሊ ሓደ ጋንታ ሓደ መራሒ ጋንታ ኮይኑ ካብ ሃሮ ክሳብ ሚለ ኣብ ዘሎ መዓት መረርቲ ውግኣት ዝተኻየደሉ ቦታ ብውፉይነት ኣዋጊኡን ተዋጊኡን። ሃሮ፣ሆራ፣ሶዶማ፣ጃራ፣ጭፍራ፣ወረባቡ፣ኮምቦልቻ፣ደጋን፣ደርባ፣ባቲ፣ቡርቃ፣ካሳጊታ ኣብ ዝነበሩ ናይ ፀላኢን ናይ ተፈጥሮን ፈተና ዝበርተዐሎም ቦታታት ጋንታ ኣዛዚ ኮይኑ ኣብ መጨረሻ ድማ ካብ ንእሽተይ ከተማ ካሳጊታ ንጭፍራ ኣብ ዝወስድ ናይ ፀፀር መገዲ ንውሽጢ ማለት ውን ንሚለ ብቐረባ ርሕቀት ኣብ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ሃሩር ዝኾነን ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዝወሰደ ከቢድ ውግእ ዝተገበረሉን ቦታ ምክትል መራሒ ሓይሊ ኾይኑ እናዋገአ እናሃለወ ሕዳር 7 2014ዓ.ም ሕጂ ውን ብናይ ዶሽቃ ጥይት ተወቒዑ ኣጋምሸት ሰዓት 11:30 ምስ ካልኦት ክልተ ንዕኡ ከልዕሉ ዝፈተኑ ብፆቱ ኽቡር መስዋእቲ ኸፊሉ።