ገሬ ዲሽቃ

  • ትውልዲ ቦታ: ወልቃይት ፀገዴ
  • ዕለተ‐ልደት: 1989
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: ሚያዝያ 21/ 2013 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ወርቅኣምባ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ኣርሚ 2 ኮይኑ ንገሬ ዲሽቃ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ ብርግፀኝነት/100% /የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኮነን። ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ጀነራል ገሬ ዲሽቃ ካብ ኣፎም ኣይፈልዩዎን።ብዘይ ምግናን ልዕሊ 1000 ተጋደልቲ ቃለ መሕትት ገይረ እየ። ኩሎም ገሬ ዲሽቃ ከየልዓሉለይ ኣይሓለፉን።ብኣካል እንኳዕ ኣይፈለጥኩዎ። ዘይንብዓት እንታይ ከትርፍ ነይረ። ብጅግንነቱ ግና ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ተላልየዮ እየ። ጀነራል ሸሪፎ ብዛዕባ ገሬ ዲሽቃ ክዛረብ ሓቲተዮ እቲ ዝበዝሕ ክፋሉ ብንብዓት ወዲኡዎ። ጀነራል ከበደ'ውን "ሓደ ገሬ ዲሽቃ ዝበሃል ነይሩ ናይ ኣኽሱም ክፍለሰራዊት ንኹልና ሽፋን ዝህበና።ዲሽቅኡ ከም ሙዚቃ እያ ትጥዕም።"ኢሉና። ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ስለ ገሬ ዲሽቃ እንተልዕል ንብዓት ይቕድሞ። ብፆቱ ከምዝነገሩኒ:-ገሬ ዲሽቃ ወዲ ወልቃይት ፀገዴ ኮይኑ ንኣዲኡ ሓደን ወዲ ስውእ ተጋዳላይን እዩ። ነባር ፍሉይ ሓይሊ ብሉፅ ኮማንዶን'ውን እዩ። "ዲሽቃ"እንትፅዋዕ ገሬ ዲሽቃ ስዒቡ ከምዝፅዋዕ ትግምት። ምስ ዝነበሮ ጉልበትን ሓቦን ንፀላእቲ ርፍርፍ ይውዕል'ሞ መወዳእታ በይኑ ዲሽቅኡ ተሰኪሙ መሰስ ምባል ልማዱ እዩ። ገሬ ዲሽቃ ኣሎ እንተተባሂሉ ኣብ ተጋደልቲ ዕፅፊ ሞራል እዩ ዝውስኽ።ፀላእቲ ንገሬ ዲሽቃ ብኣተዃኹስኡ እዮም ዝፈልጡዎ።ይርዕዱ ድማ። ገሬ ዲሽቃ ተኲሱ ኣይስሕትን። ክትኩስ እንተሎ ንቡፆቱ "ንዑ ተመልከቱ" እናበለ ከም ፊልሚ እናተዝናነየ እዩ ዝዝፍዝፎም። ሓንቲ ጥይት ኣብ መሬት እንተዓሪፋ /ሓመድ ቦሎኽ እንተደኣ ኢሉ/ገሬ ዲሽቃ ብጣዕሚ ይናደድ። በቃ ገሬ ዲሽቃ ንዲሽቃ ዝተፈጠረ እዩ ይብሉዎ ብፆቱ። ገሬ ዲሽቃ ሚያዝያ 21/ 2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ወርቅኣምባ እዩ ተሰዊኡ። ብመስዋእቱ ካብ ኣዘዝቲ ክሳብ ተራ ተጋደልቲ ሓዘኖም ምቁፅፃር ኣብዩዎም'ዩ ቀንዩ። ብዙሓት ጀጋኑ ተጋደልቲ ሪአን ሰሚዐን'የ። ከም ገሬ ዲሽቃ ሽሙ ዝገነነ ካብ ኣዛዚ ክሳብ ተራ ተጋዳላይ ሽሙ ዝፅዋዕ ግና ወይከ። ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና