
ገብረዝጋብሄር ክንደያ ተስፋሚካኤል
- ትውልዲ ቦታ: ቐይሕ ተኽሊ
- ዕለተ‐ልደት: 29/07/1976
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 27/05/2014
- ቦታ መስዋእቲ: ጊንባ፣ መቕደላ፣ ክልል ኣምሓራ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ሂወት ታሪክ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ገብረሚካኤል ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ካብ ኣብኡ ኣይተ ክንደያ ተስፈንቻአል ሃ/ማርያምን፣ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ተክለ ተፈሪ ወለቻአል ብዕለት 29/07/1976 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዞባ ማእከላይ፣ ወረዳ ቐይሕ ተኽሊ ፣ ጣብያ ስንታ ገለበዳ ተወሊዱ። ስዉእ ጅግና ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ በፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ መሉእ ቀዳማይ ብርኪ ገለበዳ ተማሂሩ። ብምቅፃል ድማ ናይ 2ይ ብርኪ ትምህረቱ ኣብ ባህርዳር ክሳብ 10ይ ክፍሊ ብዝለዓለ ዉፅኢት ተሸላሚ ብምኳን ተማሂሩ እዩ፡፡ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ኣብዚ ክሊ ትምህርቱ ኩነታት እናሃለወ ብ1999 ዓ/ም ናብ ሃገር መከላከሊ አባ ስራዊት ኮይኑ ዝተጸንበሩ እንትከውን ግቡኡ ፈጺሙ ብ7/10 ካብ ስራዊት ተሰናቱ አብ ናይ ባዕሉ ስራሕቲ ተዋፊሩ እናሃለወ ነቲ ብፀላኢ ዝመፀ ግፍዓዊ ጨፍጫፍን ዘረኢ ምፅናትን ዝነበሮ ፅልኢት ብምርዳእን፣ ነቲ ብፀላእቲ ዝተኣለመ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ኲናት ቀዲሙ ብምርዳእን፣ ዝለዓለ ወነን ህልክን ብምሓዝ፣ “ኣነ እናሀለኩ ህዝቢ ትግራይ ኣይስኮንን፣ ኣዶ ትግራይ ኣይትነብዕን ፣ሓፍተይ ኣይትድፈርን፣ መንእሰይ ትግራይ ኣይሕረድን” ብምባል ኣነ “ንዓደይን ንህዝበይን ክብል ክቀለስ እየ” ብዝብል ሰነ 2013 ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ተፀምቢሩ። ስዉእ ጅግና ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ ናብ ኣርሚ 24 ዝተፀምበረ እንትከዉን ካብታ ናብ ኣሃድኡ ዝተፀምበረላ ዕለት ጀሚሩ ንፀላኢ ግንባር ግንባሩ እናፀፍዐ ካብ መጀመርታ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ብጅጅቀ፣ ማቻ ፤ ቆራሮ ፤ ካብ ሰነ 07/2013 ድማ ጉያ፤የጭላና በሪ ተክላይ ዝነበረ ፀላኢ ብምድምሳስን ናብ ደቡባዊ ግንባር ቆቦ ብምግስጋስን ኣብ ተሁለሽ፣ በቀሮ ሜዳ ፤ንፋስ ማውጫ፤ ጉና ተራራ፤ ጋሳዬ፣ ደብዘቢጥ እና ጭፍራ ዝነበሩ ውግአት ብዝለዓለ ናይ ተጋዳላይነት ወነ፣ ጥሜት፣ ቁሪን፣ ከባብያዊ ሓይሊን ብምፅዋር “ኣጆኩም ብፆት፣ ኩሉ ክሓልፍ እዩ፣ ትግራይ ትስዕር” እናበለ መራሒ መስርዕን ክላሽ ተኳሲን እና ደሓ ብዝገበረ አወዳባ ድማ ናይ ኣርሚ ኤልክትሻን ኮይኑ ሃፍታት ስራዊትና በሞይኡ ብልዕል ሃላፊነት ናብ ብራኸ ብምሽግጋር ታሪክ ዘይርሰዖ ፍሉይ ታሪካዊ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ። ካብዚ ብተወሳኪ እዉን ጅግና ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ኣብ ደብረዘቢጥን ንፋስ መዉጫን ኣብ ዝተገበረ ከቢድን ህልክ ዘወድእ ዉግእን ዝለዓለ ታሪክ ብምስራሕ ኣብዚ ዓውደ ዉግእ እዙይ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝተደምሰሰሉ ግዜ ምስ ሰራዊቱ ኮይኑ ተኣምራዊን መስደመምን ታሪክ ሰሪሑ ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ። ካብዚ ብምቅፃል ኣብቶም ሕሉፋት ዓዉደ ዉግኣት ፍሉይ ጅግንነት መሪሕነትን መስተክራዊ ዓወታትን ብምምዝጋቡ ምክንያት ካብቲ ዝነበሮ መሪሕነት ሓደ ብርኪ ብምውሳክ መራሒ ጋንታን ብሬን ተኳሲን ብምኳን ናይ አርሚ 24 ኤልክትሪሻን መተሓባበሪ ኮይኑ ካብ መሰከረም 2014 ዓ/ም ነቲ ብ ሃሙሲት ፤ ወገልጤና ፤ኩታበር ፤ደሴ ግንባር ጋሸና ክቆፃፀር ዝመፀ ወራሪ ሓይሊ ብልዑል ተቀላሳይነት ተዋጊኡን መሪሑን ነቲ ዝመፀ ፀላኢ ሕርሕራይ ከብሎን ሙሉእ ንሙሉእ ክድምሰስ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ነቲ ፀላኢ ብዕለት 04-05/13/2013 መቀለ ንምቁፅፃር ብዝብል ዝከፈቶ ሓዱሽን ዕስለ ሰራዊት፣ ፋኖን፣ ምልሻ ኣምሓራን ተሰሊፎም ብግንባር ላሊበላ ዝመፅሉን መጥቀዕቲ ብምምካት ፀላኢ ፎቆዶ ሽንጥሮታት ክበታተን ብምግባር ኣብዚ ዓውደ ዉግእ ኣዝዩ ብዙሕ ወተሃደር ፀለኢ ምስ ብዙሻት ሃፍትታቱ ክማረኽ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ደሓር እዉን ብጥቅምቲ 03-05/2014 ብድጋሚ ብጭፍራ ገይሩ ንመቀለ ንምሓዝ ተሃንዲዱ ዝመፀ ፀላኢ ናይ ዓፋር ከቢድ ሙቀት፣ ጥምየትን ፃምእን ብምፅዋር ፀላኢ ኣብ ዘለዋ ኣብ ጭፍራ ንክድምሰስ ዝለዓለ ገደ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ኣብቲ ፀላኢ “ንደሴ ኣይሕዙዋን ፣መቅበሪቶም እያ” ኢሉ ኣብ ዝፈከረሉ እዋን እዉን ብዕለት 15-18/02/2014 ኣብ ደላንታ ዓሪዱ ዝነበረ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ ኣብ ታሪክ እቲ ዉግእ እቲ ዝለዓለ ዉፅኢት ኣብ ዝተመዝገበሉን ጅግና ሰራዊት ትግራይ ንመቅደላ ኣብ ዝቆፃፀረሉን እዋን ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ድሮን አብ መቅደላ ፉሉይ ቦታ ጊንባ ብዕለት 27 ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ 35 ዓመቱ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክብል ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዘይሓልፍን ዘይሃስስን ድሙቅ ታሪክ ብደሙ ፅሒፉ፣ ክቡር መስዋእቲ ሂወቱ ከፊሉ እዩ። ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ካብታ ናብ ዓውደ ግንባር ዝተፀምበረላ ጀሚሩ ብዘይ ምንም ዕረፍቲ ኣብ ኣዝዮም ብዙሓት ግንባራት ዝተዋግአን ታሪክ ዘይርሰዖም ዓወታት ዘመዝገበን እንትከዉን ካብቶም ብዓወት መሰስ ዝበለሎምን ዝተዋገኣሎምን ዓውደ ግንባራት ዝተወሰኑ ንምግላፅ ዝኣክል ጅጅቀ፤ ማቻ፤ ቆራሮ፤ ጉያ የጭላ፣ በሪ ተክላይ፣ ቆቦ ተሁለሽ፤ ቀበሮ ሜዳ፤ ንፋስ መዉጫ፣ ጉና ተራራ፣ ጋሳዬ፣ ደብረዘቢጥ፣ ሃሙሲት፤ ወገልጤና ጭፍራ፣ ደላንታ፣ ኩታ በር፤ መቕደላን ካልኦት ብዙሓት ኣብዚ ዘይተገለፁን እዮም። ስዉእ ጅግና ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል ባዓል ሓዳርን አቦ 2 ቆልዑን እንትኸውን ትሑት፣ መክበሪ ሰብ፣ ሰሓቂን ተፃዋቲን፣ ፈታዊ ዓዱ፣ ፈታዊ ወለዱ፣ ፈታዊ ኣሕዋቱ ኣዕርክቱን መተዓቢቱን፣ መክበሪ ብፆቱ፣ ጅግናን ብሉፅ ተኳሳይን ተዋጋኣይን ነይሩ። ንስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ሄር ክንደያ ተስፈንቻአል መንግስተ ሰማያት የዋርሶ። ንመላእ ቤተሰቡ ብፆቱን መተዓቢቱን ድማ ፅንዓት ይሃብኩም። ጅግና ታሪክ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን ክብርን መጎስን ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ኢሎም ክቡር ሂወቶም ንዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታት!!!