
ተወል ገብረመድሂን (በርቅሽ)
- ትውልዲ ቦታ: ቑሸት ቤተእኽሊ፣ ጣብያ ሓየሎም፣ ወረዳ ሓውዜን
- ዕለተ‐ልደት: 17 መስከረም 1990
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 04 ሕዳረ 2014 ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ጨፌ ሮቢት፣ ኣምሓራ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳላይ ተወልደ ገ/መድሂን ካብ ወላዲኡ ሓለቓ ዓሰርተ ገ/መድሂን በርሀ ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ፀጋ ኣብርሃ ብ17/01/1988 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ሓየሎም ቤተእኽሊ ዝተብሃለት ፍልይቲ ቑሸት ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ-6ይ ኣብ ቤት ትም/ቲ ወለል ቀደማይ ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ዘመነ ትምህርቲ ቐዳማይ ደረጃ እናሓዘ ኣጠናቒቑ። ካብ 7ይ-12 ክፍሊ ድማ ኣብ ካልኣይ ብርክን ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ማሾን ኣብ ኩሉ ተሸላሚ ተምሃራይ ኮይኑ ዘጠናቐቐ እንትኸውን ልዑል ነጥቢ ብምምዝጋብ ናብ MIT (መቐለ ኢንስትዩት ቴክኖሎጂ) ብምሕላፍ ብElectonics and Communication Engineering ቐዳማይ ዲግሪ ሕዳር 2013ዓ/ም ብምጥንቓቕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ዂናት ንምምካት ኣብ ወርሒ ለካቲት ንበረኻ ብምውፋር ስልጠንኡ ኣብ ዕዳጋ ሰሉስን ጕያን ዛዚሙ ኣብ ኣርሚ 31 ኮር ሰለስተ ተዋጋኣይ መሃንዲስ ኮይኑ ክሳብ ብዕለት 04/03/2014ዓ/ም ኣብ መንጎ ከሚሴን ሰንበቴን እትርከብ ጨፌ ሮቢት ዝተብሃለት ቦታ ብድሮን ብዝተፈፀሞ ደብዳብ ክሳብ ዝተሰወአላ ማዓልቲ ንዓዱን ንህዝቡን ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ኣገልጊሉ።