ሰናይ ተኽላይ

  • ትውልዲ ቦታ: ሓውዜን
  • ዕለተ‐ልደት: 20/06/1985
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 04/08/2014

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ስናይ ቅኑዕ:የዋህ:ሓንቲ ወግዒ:ሓንቲ ስሓቕን ነይሩ:: ብጣዕሚ ንፉዕ ተምሃራይ ነይሩ ግን 10ይ ክፍሊ ማትሪክ ከይመፀሉ ተሪፉ::ካብ ሓውዜን ናብ መቐለ ምስ ቤተስብ ተፀጊዑ ብሕሱም ስእነት ከይተዓገተ ሻባጦ(ሽበጥ) እንዳጎተተ ስኑ ነኺሱ ቴክኒክ መሰረተ መቐለ ኮምፒተር ተማሂሩ:: ድሓር መቐለ የኒቨርስቲ ዲግሪ ብስፍትዌር እንጅነሪንግ ሰቒሉ ተመሪቑ:: መቐለ ዩኒቨርስቲ: ማይክሮ-ሊንክን MIT ድማ የምህር ነይሩ:: ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጎና ጎኒ ይስርሕ ነይሩ:: software development, ናይ ባዕሉ ፈጠራ ዝኾነ Senayapp, security software/ systems network management (ፕላኔት ሆቴል ካብ ዝስርሐሎም ትካላት ሓደ ነይሩ):: ናይ ግሉ ስራሕ ጎና ጎኒ ንምስራሕ አብ መቐለ ዝርከብ ጋራድ ህንፃ ተኻርዪ ናይ 6ወርሒ ክራይ ኸፊሉ ከም ሎምዓንቲ እታ ስራሕ ምስ ኸፈታ ብፅባሒታ ጥቅምቲ 24 እቲ ኹናት ተወሊዑ:: ንመወዳእታ ግዘ ዓርቢ አጋምሸት ሕዳር 18/2014 ደብረብርሃን ከም ዝበፅሑን ሓንቲ ፀራጊት ሓይሊ ቅድሚኦም ከም ዘላ ቐፂሎም እሳቶም: ኻልኦት ሓይልታት ድማ ናብ ደብረ-ፅጌ ዝብሃል መስመር ባህርዳር ክዓፅዋ ይጉዓዛ ከምዘለው ብስልኪ ምስ እዚ ውልቀ-ማህደሩ ዝፀሓፈት ውልቀ-ሰብ ኣዋጊዑ ነይሩ። ኣብዚ ሰሙን ቤተሰቡ ብኽብሪ ተረዲኦም። ሰናይ ዘመሓዳድሮም ዝነበሩ ናብራ ዝኸበዶም ወለዲ፣ ናይ መቐለ ዩኒቨርስቲ መምህር ዝነበረ ቅድሚ እቲ ዕግርግር ዝሓመመ ዓብዩ ሓው የመሓዳድር፣ ፈቆዶ ፀበል ይውስዶ ነይሩ:: ካልኦት ክልተ አሕዋቱ ድማ ጠለፍቲ አለው ንብረቶም ሻዕብያ ዝዘረፎም: አብ ሕሱም መከራ ኾይኖም እቲ ናይታ ገዛ ዓይነታ መተሓዳደርንን ብርሃንን ዝነበረ መስዋእቲ ንእሽተይ ሓዎም ተረዲኦም: ተኾርሚቶም ይርከቡ። ክብርን ሞጎስን ንሰናይን፣ ንኩሎም ብፆቱን።