ሃይለአብ አለሙ ክሕሸን

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ፡ ፃዕዳ እመባ ጣብያ፡ ሓንጎዳ ቁሸት፡ ናሕሶ ዞባ ምብራቕ ትግራይ
  • ዕለተ‐ልደት: 21/10/1991
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 11/072013
  • ቦታ መስዋእቲ: ጣብያ፡ ዓምዲ ወያነ ከባቢ ደንጎላት ዓዲ ዓውሶ መንደር ማይ ሰንቲ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ካብ ወላዲኡ ናይ ክልተ ምዕራፍ ጀግና ተጋዳላይ ኣለሙ ክሕሸን ካብ ፅንዓት ተምሳሌት ዝኾነት ወለዲቱ ወ/ሮ ፅጌ ተስፋይ ብ ሕዳር 1991 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሓንጎዳ ቁሸት ናሕሶ ተወሊዱ።ኩነታት ኣተዓባብይኡ ብዝምለከት ልክዕ ከምቲ ካሊእ ቆልዓ ትግራይ ዝሓለፎ ከይዲ ዕብየት ዝመሳሰል ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ አኸለ ኣብ ጣብያ ሓንጎዳ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሓንጎዳ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ፣ብምቕፃል ካብ 9ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ተኽሊ ስወኣት ወዲኡ። ድሕሪ ናይ ትምህርቲ ጉዕዝኡ ህይወቱ ንምምራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሩ ላዕልን ታሕትን እናበለ ብምፅናሕ ምስ ቤተሰብ ብምዃን ብፍላይ ኣብ ግልጋሎት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ /ትራንስፖርት/ ካብ ረዳት ገናሒ መኪና ጀሚሩ ብርኪ ህዝቢ ሓደ ዝብል መዘወሪ ፍቓድ ብምሓዝ ዋና ገናሒ ንምዃን ኣብ ምግልጋል ህዝብን ከምኡ ውን ኣብ ናይ ውልቀን መንግስታውን ትካላት ብውዕሊ ስምምዕነት ንሕ/ሰቡ ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ከገልግል ፀኒሑ እዩ።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ አለሙ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ልፍንታውያን ወረርቲ ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ከብርሱ ካብትን ካብትን ተኣኻኺቦም ዘሎን ዘየሎን ሓይሎም ፀንቂቖም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ዓንኬል ኣእትዮም ከፅንቱ ብምሕሳብ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኩናት እንትኸፍቱ ልክዕ ከምቱ ካሊእ ትግራዋይ መንእሰይ ነቲ ኩነታት ብውነ ብምስትውዓልን ብትኹረትን ክከታተሎ ድሕሪ ምፅናሕ ኣነ ኣብዚ ኮፍ ኢለ ኣደይ ሓፍተይን ወገናተይን ኣይድፈራን ህዝቢ ትግራይ ኣይጋፋዕን ብምባል ናይ ክልተ ምዕራፍ ተቓላሳይ ዝነበረ ወላዲኡ ተጋዳላይ አለሙ ክሕሸን ሕድሪ ብምቕባል ሓሪኑ ንቃልሲ ተበጊሱ አብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረወይኒ ፉሉይ ሽሙ ማይተኽሊ ተባሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ዝነበረ ሓራ መሬት ማእኸል መሰልጠኒ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2013 ዓ/ም ተፀንቢሩ። ጀግና ተጋዳላይ ሃይለአብ አለሙ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ማይተኽሊ ኣትዩ ኣብ ዝዕለመሉ እዋን ታዕሊሙ ብዝግባእ እናተኸታለለ እናሃለወ ልፍንታውያን ወረርትን ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን ብዝኾኑ ሰራዊት ሻዕብያን ሓይልታት ትምክሕትን እቲ ማእኸል ታዕሊም ብምኽሻፉ ፀላኢ ነዚ ትኹረት ገይሩ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብቲ ማእኸል መሰልጠኒ ብምኻድ ነቶም ተዓለምቲ ከጥፍእን ክብትን ኩናት ከፊቱ እዩ።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ አለሙ ድማ ታዕሊሙ ከይወደአ እዚ ኩነታት ክሽፋ ብምግጣሙ ምስ ካልኦት ብፆቱ ብምዃን ሓዝ ክሕዝ ኩናት ገጢሙ ነቲ ከጥቅዕን ክብትንን ሓሲቡ ዝመፀ ሽሾ ሰራዊት ፀላኢ ዕላምኡ ከይፍፅም ብምፍሻል ንነዊሕ መዓልታት ደኺሙኒ ጠምዩኒ ሰልችዩኒ እንከይበለ ቀትርን ለይትን እናተዋገአን እናተጉዓዘን ማእኸል ታዕሊም ማይ ተኽሊ ብምልቃቕ ናብ ኣፅቢ ማእኸል ታዕሊም በፂሑ።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ናብ ኣፅቢ ወንበርታ ዝርከብ ዝነበረ ማእኸል ታዕሊም ድሕሪ ምብፃሕ ዝተረፎ ናይ ታዕሊም ስልጠና ተኸታቲሉ ኮኾብ ተኳሲ ተባሂሉ ተሸሊሙ ታዕሊሙ ብምዝዛም ድማ ናብ ናይ ምዕራብ ግንባር ኣርሚ 1 ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ተፀንቢሩ እዩ።ድሕሪ ታዕሊም ኣብቲ ዝበነረ ዕረፍቲ ዘይብሉ ምንቅሳቓስን ፅዕፁዕ ኩናትን ምኽንያት ኣብ ብጣዕሚ ብዙሓት ዓውደ ውግኣት ኣብነት ኣብ ከባቢ ፅጌረዳ ግጀት፣ሳምረ፣ዶንጎላትን ዓድዓውሶን ካልኦት ከባቢታትን ዝተሳተፈ እንትኸውን ካብ ተራ ተዋጋአይ ክሳብ ጋንታ መሪሑ መዋጋኣይን ዝበፅሐሉ ኩነታት ነይሩ። ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ብፍላይ ክባ ኲናት ወርቀዲኖ ፀላእቲ ንመራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእትዮም ደጊም ኣየምልጡን ኲናት ተወዲኡ እዩ ብምባል ሚኢቲ ብሚኢቲ ተኣማሚኖም ስለዝነበሩ ከበሮ ሓምሓም እናወቕዑ ብናይ በዓልቶም ሚድያ እንተይተረፈ ጃህራ ብዝተመልኦ ዘረባ ኣብ ውሽጢ 72 ን ሰዓታት ኢድኩም እንተዘይሂብኩም ኣብ ክባ ወርቀዲኖ ክንድምስሰኩም ኢና ብምባል ትልሚ ኣውፂኦም እንተተሳኺዕሎም መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ብምጥፋእ ወይ ብምሓዝ ህዝቢ መራሒ ዘይብሉ ክተርፍን ፋሕፋሕ ኢሉ ንክብተን ብምሕሳብ ብኡ ኣቡሊ ድማ ታሪክ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንሓንሳብን ንሓወሩን ንክጠፍእ ዝዓለመ ነይሩ።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ዝነበረላ ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ እውን ንዚ ናይ ፀለኢ ክባ ንምፍሻል ግጃጅ ህፁፅ ረዳት ዝብል ዕማም ተዋሂብዋ ካብ ከባቢ ኣፅቢ ተበጊሳ ብዔራ:ቂሐን: ደብረ ብርሃን: ቶጎጋ ኣቢላ ናብ ዶንጎላት ዓዲ ዓውሶ ናብ መጋቢት 11/2013 ዓ/ም ዘውግሕ ለይቲ በፂሓ ምድላዋታ ወዲኣ ንፀላኢ ክሳድ ቦታ ሒዛ ትፅበ ነበረት ።ፀላኢ ነዚ ክባ ኩናት ወርቀዲኖ ከጠናኽረሉ ዝኽእል ተወሳኺ ሓይሊ ሻዕቢያን ሰራዊት ኢትዮጵያን ምስ ሙሉእ ዕጥቅን ስንቅን ኣዋዲዱ ካብ ከባቢ መቐለ መጋቢት 11 /2013 ዓ/ም ንጉሆ ተበጊሱ ኣብ ከባቢ ዶንጎላት እንትበፅሕ ናይ ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ክ/ሰራዊት ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ብምዃን ኣብቲ ኣቐዲማ ክሳድ ዝሐዘቶ ቦታ ብምፅባይ ነቲ ናይ ፀላእቲ ምስ መከናይዝድ ሓይሎም ኮይኑ ናብ ክባ ኩናት ወርቀዲኖ ንድጋፍ ዝህንደዱ ዝነበሩ ፀላእቲ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 5፡00 ናይ ቀትሪ ኩናት ቶክሲ ብምኽፋት ክዓግትዎ ክኢሎም።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ እውን ካብ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ ንድሕሪት ከይበለ ጋንትኡ መሪሑ እናዋገአን እናተዋገአን ውዒሉ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ድማ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ብምብፃሕ ዕጥቅን ስንቅን ዝፀዓና 15 ናይ ፀላኢ ማካይን ብምቅፃልን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባርን ነቲ ሰራዊት ፀላኢ ድማ ሙውትን ቁሱልን ገይሮም ብምድምሳስ ዋላ ሓደ ድጋፍ ሰራዊት ኮነ ድጋፍ ዕጥቅን ስንቅን ናብ ወርቀዲኖ ንከይሓልፍ ብምግባር ዕላማ ፀላኢ ብጀግንነት ኣፍሺሉ እዩ። ናይ ሻዕብያ ዕሱብ ወራሪ ሰራዊት 25ተን፣ 27ተን ኮማንዶ ክ/ሰራዊት ሙውትን ቁሱልን ብምግባር ኣድላዩ ዘበለ ዕጥቅን ስንቅን ንወተሃደራዊ ረብሓ ዝውዕሉን ብዙሕ ፍልፍል ሓበሬታ ዝኾኑ ሬድዮ ርክብ ምስ ኦፕሬተሩን ካልኦት ዶክሜንታትን ንክማረኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።በዚ እውን ኣብ ኩናት ወርቀዲኖ ክባ ኣትዮም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ንፀላኢ ንክህቡ ዕድል ተዋሂብዎም ዝነበሩ ዓበይቲ መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ሂወቱ ከይሰሰዐ ግንባሩ ንጥይት ብምሃብ ሂወቱ ኣትሒዙ መራሕቱ ኣድሒኑ ካብ ክባ ወርቀዲኖ ፈንፂሖም ንክወፁ ኣኽኢልዎም እዩ።እዚ እውን ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝነበረ ወራር ፅንተት ብደሚቑ እናዘከሮ ካብ ዝነብር ሓደ ዓውደ ኩናት ክባ ወርቀዲኖ ኮይኑ: ከየንቲ ትግራይ እንተይተረፈ «ናይ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መቐይሮ ነጥቢ ክባ ወርቀዲኖ »እናበሉ ንቃልሲ ህዝቢ ትገራይ ክንደየናይ ዝኣክል ወሳኒ ከምዝነበረ መስኪሮም እዮም።ጀግና ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ እውን ናይዚ ፍሉይን ደሚቕን ክፋል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢትግራይ ተኻፋላይ ብምዃን ግዴትኡ ፈፂሙ እዩ።ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ኣብቲ ዕለት ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ 11፡30 ምስ ኣሃዱኡ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ በዘይምቁራፅ መጥቃዕቲ እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ መጋቢት 11 /2013 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነተን ህዝቢ ትግራይ ክብል ናይ ቃልሲ ሓደራ ንብፆቱ ብምውራስ ክቡር ናይ ሂወት መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።ስውእ ተጋዳላይ ሃይለኣብ ኣለሙ ስግኡ ሓመድ ለቢሱ ታሪኩ ግና ልዕሊ መሬት እናተዘከረ ዝነብር እንትኸውን ስርዓተ ቀብሩ ድማ አብቲ ዝተሰወአሉ ከባቢ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳምረ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ዓውሶ ከባቢ ኣብ ዘሎ ገዳም መስቀለ ክርስቶስ ትሕት ኢሉ ዝርከብ እንዳማርያም ቤተ ክርስትያን ማይሰንቲ ብፆቱ ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ እዩ። ጀግና ነባራይ ታሪኽ ይሰርሕ! «ክብርን ሞጎስን ነቶም መዘና ኣልቦ ጀጋኑ ሰማእታትና» ፅንዓት ንመላእ ቤተሰብን ህዝቢ ትግራይን