
ዘፈሩ ሃይለማሪያም በርሀ
- ትውልዲ ቦታ: ቁሸት ዓዲ ምላለ ጣብያ ልምዓት ወረዳ ጣንቋ ምላሽ
- ዕለተ‐ልደት: 1990 ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 2015 ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ)
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ስውእ ተጋዳላይ ዘፈሩ ሃይለማሪያም በርሀ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ፍሉይ ቦታ ዓድ ምላለ ብ1990 ዓ.ም ተወሊዱ ካብ 1-4 ክፍሊ ኣብ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድምላለ (ግራጸጉ)፣ ካብ 5-8 ኣብ ሙሉእ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ልምዓት፣ ካብ 9-10 ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ራእሲ ኣሉላ ተማሂሩ። ብ 2007 ዓ.ም ዓስራይ ክፍሊ ዝወደአ እንትኾን ናብርኡ ብስርሕቲ ብረታ ብረት ይመሓደር ነይሩ። ብሰንኪ ወራርን ጨፍጫፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናብ ቃልሲ ምስ ተጸምበረ ኣብ 25 ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓርብቢ መስዋእቲ ከፊሉ።