
ስሙር ሓጎስ
- ትውልዲ ቦታ: መቐለ
- ዕለተ‐ልደት: 19/02/1985
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 16/02/2014
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ንህልውና ትግራይን ተጋሩን ዝተኸፈለ መስዋዕትነት ጀግና ስውዕ ተጋዳላይ ስሙር ሓጎስ ሓደ ጊዜ ኣብ መንደርና መቐለ ቀበሌ 14 ሓንቲ ኣብ ትሑት መነባብሮ ትነብር ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ገዝአ እናሓለወት ባርዕ ሓዊ ይላዓል። ሰብ ተዓከበ ሰብ ፀጊፀጉኡ ሒዙ ይሪኢ ነበረ። ስሙር ምስ ንኡሽተይ ሓው ገ/ትንሰአ ግን ናብቲ ብሓዊ ዝባራዕ ዝነበረ ገዛ ዘሊሎም ብምእታው ነታ ሰበይቲ አደሓንዎ። ሰነ 21/2013 ዓ/ም ሰራዊት ትግራይ ንመቐለ ምስተቆፃፀረ ስሙርን ሓው ገ/ትንሰአን ምስ መተዓቢቶም (ፀሃየ፣ አብርሃን ክብሮምን ክልቲኦ አሕዋት እዩም ተሰዊኦም እዮም) ናብ ተዓሊም ንምዃድን ቤዛ ትግራይን ተጋሩን ንምዃንን ዝቀደሞም የለን። ሰሙር ኣብ መስከረም/2014 ዓ/ም ናብ መቐለ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ ተራኸብና። እንታይ ትገብር መፂኻ በልክዎ ንዕረፍቲ እየ መፂአ በለኒ። አጥቢቀ እንትሓቶ ግን ንኡሽተይ መቁሰልቲ ኣብ ከባቢ ከብደይ አጋጢማትኒ እየ ንሕክምና መፂአ ኢል ምስ አረአየኒ ንእነይውን ንማማ ድንቅነሽ (ናተይ እኖ) ከይሻቀላ ከይትነግረ በለኒ። እታ ቁስሊ ምስ ሓወየት ድማ አርመይ ኣብ ከባቢ ደሴ እያ ዘላሞ ይኸድ አለኹ ኢሉ ተሰናቢቱ ከደ። ስሙር ብጀግንነት ድማ ዕለት 16/02/2014 ተሰዊኡ። ንኡሽተይ ሓው ገ/ትንሰአ ድማ ቅሩብ ናይ ጥዕና ፀገም አጋጢምዎ ኣብ መቐለ ኣብ ሕክምና ይርከብ። ክብርን ሞገስን ንስዋአትና!