
ዳዊት አለም ካሕሳይ
- ትውልዲ ቦታ: ቁሸት ዓሙስ፣ ጣብያ መረታ፣ ወረዳ ጉለመኸዳ
- ዕለተ‐ልደት: 12 ነሐሰ 1990 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ግንባር ጭፍራ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ስውእ ጅግና ተጋደላይ ዳዊት መነባብሮኦም አስመራ ይገብሩ ካብ ዝነበሩ አቡኡ አለም ካሕሳይ ካብ አዲኡ ለታይ ገ/ማርያም ተ/ሀይማኖት ወርሒ ነሐሰ 1990 ዓ/ም አብ ጉለመኸዳ ጣብያ መረታ እትርከብ ቁሸት ዓሙስ ተወሊዱ። ክርስትናኡ ምስሐለፈ ወለዱ ይነብርሉ ናብ ዝነበሩ አስመራ ምስ አዲኡ ተጓዒዙ። ብዙሕ ከይፀንሐ ኢትዮ ኤርትራ ኹናት ስለዝጀመረ ብ1993 ዓ/ም ብቀይሕ መስቀል ናብ ትግራይ መስ ወለዱ ተመለሰ። ብድሕሪ እዚ መነባብሮኦም አብ መቐለ ብምግባር ትምህርቱ ክመሀር ጀመረ።ይኹን እምበር ናይ ወለዱ ናይ ኢኮነሚ ፀገም ንምፍታሕ ትምህርቱ አቋሪፁ አብ እንዳ ብረታ ብረት ተቆፂሩ እናሰርሐ ብምፅናሕ ሞያኡ ምስ አማዕበለ ናይ ባዕሉ ብረታ ብረት ከፊቱ ወለዱ ይጥውር ዝነበረ ምእዙዝ መንእሰይ ነይሩ። ተጋዳላይ ዳዊት ድሕሪ ስራሕ ዘሎ ግዚኡ አብ እንዳ ኪዳናምህረት ዓድሐ መንፈሳዊ አገልግሎት ብምሀብ ዘሕልፍ ዝነበረን ካብ ቤተኽርስትያን ዘይርሕቕን ምቕሉል መንእሰይ ነይሩ። ስውእ ተጋዳላይ ዳዊት ወረርቲ ሐይልታት አብ ህዝብና ዘብፅሕዎ ዝነበሩ ግፍዒ ኮፍ ኢሉ ክርኢ ናይ ንእስነት ሕሊናኡ ክፈቕደሉ ስለዘይከአለ አብ ወርሒ ሐምለ 2013ዓ/ም ናብ ሰራዊት ሐይልታት ምክልኻል ትግራይ TDF ተፀምቢሩ ሐፂር ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ተኳሲ ድሽቃ ብምዃን አብ ግንባር ጋሸና ብጀግንነት ምስ ፀላእቲ ገጢሙ ድሙቕ ዓወት አመዝጊቡ እዩ። ብድሕሪ እዚ ኸዓ ሰራዊት ትግራይ ናብ ግንባር ሚለ አብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ጀግና ተጋዳላይ ዳዊት ምስ ብፆቱ ብምዃን ፀላኢ ዝምከሐሉ ዝነበረ ጥንኩር ድፋዕ ጭፍራ ንምስባር አበ ዝተገበረ ደማዊ ኹናት ብጅግንነት እናተዋገአ ጥቅምቲ 5/2014 ዓ/ም አብ 24 ዓመቱ ብጀግንነት ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ኽቡር መስዋእቲ ኸፊሉ። ነፍስኻ አብ ገነት ትዕረፍ ዳዊተይ