
ሃይለማርያም ገብረሚካኤል አባይ
- ትውልዲ ቦታ: አክሱም
- ዕለተ‐ልደት: ግንቦት 1976 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 28 ነሓሰ 2013 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ዳባት
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ህይወት ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ሃ/ማርያም ገ/ሚካኤል ኣባይ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1976 ዓ/ም ካብ ወላዲኡ ቀሲስ ገ/ሚካኤል ኣባይ ን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ኪዳን ተፈሪ ኣብ ከተማ አክሱም ፍሉይ ቦታ ከባቢ እንዳ አርባዕተ እንስሳ ቤተክርስትያን ተወሊዱ። ዕድመ ንእስነቱ ልክዕ ከምቲ ኩሉ ወዲ ዘርኣ ካህናት ምስ ምንኣሱ ሓው መን ንአስካላ መን መስቀለይ የልዕለለይ ዝብል ዕፃ ድሕሪ ምውዳቅ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ሃይለማርያም ገ/ሚካኤል ኣባይ ይበፅሖ ብንእሱ ናብ ቤተ እግዝአብሔር ቤተ ክህነት ክመሃር ናብ ዳ የነታ ገ/ማርያም እንዳ ደወል ፊደል ቆፂሩ መልእክተ ወንጌል ዳዊት ኮታስ ክሳብ መዓርገ ዲቁና ተማሂሩ ጎና ጎኒ እውን ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወኣብፅሃ ተመሃረ ካልኣይ ብርኪ ቱምህርቱ እዉን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ አክሱም ዓጋማት ብዝግባእ ድሕሪ ምውዱኡ አብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ብ ኢኮኖሚክስ ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቁ ካልአይ ዲግሪ ወይ ማስተርስ ድማ ኣብ አክሱም ዩኒቨርስቲ ተማሂሩ ዩ ምስ ትምህርቱ ድማ አብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ክሳብ ብርኪ ሓላፊ ዝሰርሐ እንትከውን ንአብነት ኣብ ዓዴት ናይ ሰመማ ከተማ ልምዓት ሓላፊ ኣብ ጣብያ ማዕበል ዋና ስራሕ መካየዲ ኣብ አክሱም ዩኒቨርስቲ ካብ ተራ ሰራሕተኛ ክሳብ ረዳት አስተዳደር ብትግሃት ደኪሞኒ ሰልችዩኒ ከይበለ ዘገልገለ ለባም መስተውዐሊ ነይሩ ጅግና ተጋዳላ ሃይለማርያም ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ሃይለማርያም ገ/ሚካኤል ኣባይ ብሕልፊ ብኩሉ ሰብ ዝፍለጠሉ ድማ ምሰ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮ ፍቅሪን አገልግሎትን ዩ ካብ ዕሸል ዕድሚኡ አብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ማሕበረ ቅዱስ ጨርቆሰ ኢሎም ካብ ዝመስረቱ ሓደ ኮይኑ ክሳብ አመራርሓ እቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኮይኑ ንአስታት 10 ዓመት አገልጊሉ እዩ ብዝነበሮ ተውህቦ ትምህርቲን ቅንዕና ተፈጥራዊ ልቢ ብዝሕ ሰብ ናይ ሕፃን ሽማግሌ ይብልዎ ነይሮም ክሳብ ንበረካ ምግዳል ዝወፅእ ኣባል ሰበካ ጉባኤ ርእሰ አድባራት ወገዳማት አክሱም ፅዮን ኮይኑ ብቅንዕና ደኪሙኒ ከይበለ ሰሪሑ ዘስረሐ ኣብ ልምዓት ቤተክርስተያና ምስ ኣባላቱ ኮይኑ ዘልመዐ ነይሩ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ሃይለማርያም ገ/ሚካኤል ኣባይ ብድሕሪ እዚ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝኣወጁዎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ንምምካት “ኣነ እንዳሃለኹ ኣዶ ትግራይ ኣይትሕረድን ! መሬት ትግራይ መዐንደሪ ወረርቲ ኣይትኸዉንን!” ብምባል መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ዝገበሮ ፃዉዒት ካብ ሰበካ ጉባኤ ዝነበረቶ ናይ ቀዳም ጉባኤ ፈፂሙ ብመጋቢት ወርሒ 2013 ዓ/ም ብአንፈት ዓዴት ገይሩ ናብ ታዓሊም ወረደ ካብ’ቶም ናይ መጀመርያ ተመልሚሎም፣ ናይ ሰሙናት መዓልታት ስልጠና ወሲዶም፣ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝተሰለፉ መናእሰይ ሓደ እዩ ድሕሪ ብአግባብ ምፍፃም ታሊም ዝተመደበሉ አርሚ ድማ ምስ ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ ኣርሚ ሓደ ኮር 103 ክፍለ ሰራዊት ማዕበል እንትከውን ኣብ ዓዴት ኣብ ታዓሊም አብ ዝነበረሉ ንብፆቱ ፖሎቲካ ትምህርቲ ይሕግዞም ስለ ዝነበረ ምስ ጅግና ተጋዳላይ ሃይለማርያም ገ/ሚካኤል ክምደብ ዘይደሊ ተጋዳላይ አይነበረን ። ጅግና ተጋዳላይ ሃይለማርያም ገ/ሚካኤል ብፆቱ “መምህር” እናበሉ ብሳጋ ዝፅዉዕዎ እንትከውን ብጅግንነቱ ንጥንካረኡን ዝልለ ኾይኑ፤ ኣብ ናይ መጀመርያ ወርሒ ሰነ 2013 ዓም ኣብ ከባቢ ተምቤን ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ፅዕፁዕ ኲናት ምስ ሽሾ ፀላእቲ ተዃሺሑ ጅግንነቱ ዘመስከረ ወዲ ህዝቢ እ ዩ ። ብድሕሪ ዚ ድማ ኮማንድ ፖስት ሰራዊት ትግራይ ብዝገበሮ ስልታዊ ለዉጢ ኲናት ምስ ሙሉእ ዕጥቁ ብከባቢ እንዳባጉና ብምኻድ ብድሕሪዚ እዉን ኣብ ከባቢ ማይፀብሪ ጨው በር ዛሬማ ዓዲ አርቃይ ብፀላኢ ክትድፋእ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊቱ ንምእማኑ ዘፀግም ኦፕሬሽን ብምስራሕ ድፋዕ ፀላኢ ሰይራ ክትወፅእ ተዋጊኡን መሪሑን ኣብ ምዕዋት እታ ክፍለ ሰራዊት ርኡይ ጀግንነት ፈፂሙ እዩ ። 28 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ዳባት ኣብ ዝባሃል ቦታ ንዝነበረ ሽሾ ሰራዊት ፀላኢ ሓመድ ድበን ምቕባር ለይትን ቀትርን ብዘይምቁራፅ ኣብ ዝተኻየደ ህልኽካ ዘወድእ ፅዕፁዕ ግን ድማ ዕዉት ዓዉደ ዉግእ ብዘስደምም ወነን ጀግንነትን ፀላእቱ እንዳሓምሸሸ ብምሕዳር ቀትሪ ከባቢ 8 ሰዓት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ መበል 39 ዓመቱ ብደሙን ደም ብፆቱን ደሚቕ ታሪኽ ኸቲቡ ብዘኹርዕ ጀግንነት ተሰዊኡ እዩ ። ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ምእንተ ህዝቢ ትግራይ እቲ ኽቡር ደሞምን አዕፅምቶምን ዝገበሩ ሰማእታትና! ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን! ን መላእ ቤተሰቡን መሓዙቱን ፅንዓት ንምነ!