መድሃንየ ብርሃነ ሓጎስ

  • ትውልዲ ቦታ: ኣሰመራ
  • ዕለተ‐ልደት: 1975
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: ኣይፍለጥን
  • ቦታ መስዋእቲ: ክልል ኣምሓራ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

መድሃንየ ብርሃነ ሓጎስ ኣብ ኣሰመራ ተወሊዱ ብቲ ግዘ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ፀገም ምስ ወለዱን የሕዋቱን ካብ ኤርትራ ንትግራይ ተፈናቒሎም መፂኦም። መድሃንየ ናይ ገዛ ቡኽሪ ብምንባሩ ድሕሪ ሞት ወለዱ ድማ እሕዋቱ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣብኡ ወዲቑ በዚ መሰረት ድማ 6 የሕዋት ባጃጅ እንዳዘወሩ የዐብዮም ነይሩ ድሕሪ እዚ ኩናት ድማ ናብ በረኻ ወሪዱ መሪር መስዋእቲ ከፊሉ።