ሙሉጌታ ፍፁም ሃይለ

  • ትውልዲ ቦታ: ዓድዋ
  • ዕለተ‐ልደት: 29-09-1987
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ዓፋር

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሙሉጌታ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ፍፁም ሃይለ ገ/ማርያም ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ትዕበ ሃፍቱ ቡግሣ ብዕለት 29 - 09 - 1987 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ቤትዮኃንስ ተወሊዱ ዕድመ ትምህርቱ ምስ ኣኸለ፣ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ዮኃንስ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ 9ይ ን 10ይ ን ክፍሊ ኣብ ንግስተ ሳባ ቁጽሪ ክልተ ( ሶሎዳ ) ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ 11 ን 12 ን ክፍሊ ድማ ኣብ ንግስተ-ሳባ ፕሪፓራቶሪ ናይ ትምህርቱ ምድላው በዙይ ወዲኡ ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውድኡ ናብ ስልጠና ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ተጸምቢሩ ብድሕሪኡ ብተኸታታሊ ስልጠና ናይ ኮማንዶ 1ይ ዙር ተመራቒ ኮይኑ ስልጠናኡ ዛዚሙ ናብ ኣመራርሓ ዕጀባ ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ ድሕሪ ኲናት ምውልዑ ካብ መቐለ እናወጹ እናሃለው ታሕሳስ 12 ፣ 2013 ዓ.ም እግሩ ተወቒዑ ናብ ቤተ ሰብ ከይዱ ነይሩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጻንሒት ምስ ቤተሰብ "ኣብዙይ ኣይጸንሕን" ኢሉ ናብ ኣሃዱኡ ተመሊሱ እንዳተኳሽሐ ብምፅናሕ 2014 ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ!!