ክብሮም ግደይ

  • ትውልዲ ቦታ: ኣስመራ
  • ዕለተ‐ልደት: 18 ሚያዝያ 1985
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 03 ጳጉሜን 2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ዓፋር ግንባር

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ክብሮም ግደይ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ግደይ ሓጎስ ካብ ኣዲኡ ለምለም ገ/መስቀል ኣብ ኣስመራ 18ሚያዝያ/1985 ዓ.ም ተወሊዱ።ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ካብ 1ይ-4ይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ካብ 5ይ-8ይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ገረብፀዶ ካብ 9ይ-10ይ ድማ ኣብ ቤ/ት ፍረኣቤት ተማሂሩ። ስዉእ ተጋዳላይ ክብሮም ብባህሪኡ ምስጉንን ተፈታዉን ብምኻን ኣብ ፅርሀ ኣርያም ቤ/ክ የገልግል ኔሩ።ተጋዳላይ ክብሮም ካብ 12ታሕሳስ -ሰነ1/ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣባል ረመፅ ሓፂን ብሙኻን ኣብ ከተማ ኾይኑ ዕጥቅን ስንቅን ይልእኽን ዉግኣት ፍሉይ ሓይሊ ይሕብሕብ ኔሩ።ኣብ ስራሕን ቤተሰቡን እናገልገለ እናሃለወ ድማ እቲ ልተጀመረ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ልምፍፃም ብ ዕለት ሰነ1/2013 ዓ.ም ድማ ናብ መሰልጠኒ ታዕሊም ተጎጋ ተፀንበረ።ብዕለት 23ሰነ/2013ዓ.ም ድማ ብግቡእ ስልጠንኡ ዛዚሙ ኣብቲ ገዘ ዝነበራ 4ኣርምታት ናብ ኣርሚ 4 ኮር2 ክ/ሰ ወርዒ ሻለቃ-ፅንዓት ሓይሊ4 ጋንታ3 ተፀንቢሩ ምስ ብፆቱ ድማ ናብ ከባብታት ዓዲ ጉደም ኣምረሐ። ስዉእ ተጋዳላይ ክብሮም ናይ ፈለምቲ ዉጉኣት ኣብ ከባቢታት ባላ : ቢሶበር:ባንዲራን ዝገበረ እንትኾን ቐፂሉ ድማ ኣብ መወዳእታታት ሓምለ/2013 ድማ ናብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝነበሩ ዉግኣት ብፍላይ ኣብ ኣኽራናት ጭፍራ ልነበሩ ኸበድቲ ዉግኣት ምስ ብፆቱ ብሙኻን ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።ካብ 16/ሰነ/2013 ኣብ ዝነበሩ ኸበድቲ ዉግኣት ጥምየትን ፃምእን ተፃዊሩ መስ ጀጋኑ ብፆቱ ብምኻን ምስ ሪፐብሊካን ጋርድ ፊት ንፊት ብምግጣም ዓወታት ሓፊሱ እዩ።ንኣብነት በቲ ግዜ ኣርሚ4 ልነበረት 40ኣፉ ቢኤም ስራሕ ሩስያ ልተማረኸ እኒበዓል ክብሮም ኣብ ዝተሳተፍሉ ዓዉደ ዉግእ እዩ ኔሩ። ጅግና ተጋዳላይ ክብሮም ጊደይ (ወዲ ጊደይ ጮማ )ምስ 4ብፆቱ ኾይኑ ኹነታት ፀላኢ እናፅነዐ እንደሃለወ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ሞርታር ብዕለት ጳጉሜን 03/13/2013 ዓ.ም ቐትሪ ሰዓት7 ምእንተ ነፃነት ትግራይ ኢሉ ኽቡር መስዋእቲ ኸፊሉ። ሎምዓንቲ ዕለት 19/01/2016 ዓ.ም ድማ ኣብ ዝዓበየሉ ቤተክርስቲያን ፅርሀ ኣርያም ካቴድራል ቅ/ገብርኤል ቤ/ክ ስርዓተ ፍትሓትን ኣጎበርን ተኻይዱ።