
ግደይ ረዳ በርሀ
- ትውልዲ ቦታ: ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይዓለም
- ዕለተ‐ልደት: 1963 ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 10/03/2014 ዓ.ም ናብ ዕለት 11 ዘውግሕ ለይቲ
- ቦታ መስዋእቲ: ሸዋ ሮቢት
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ሂወት ታሪክ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ በርሀ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ካብ ወላዲኡ ኣይተ ረዳ ካሕሳይ ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ በለጡ ረዳ ብ1963 ዓ.ም ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ ዓለም ቁሸት ምሻም ተወሊዱ ፡፡ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ንወለዱ ብምእዛዝ ብምሕጋዝን ምስ ዓበየ ዕድምኡ 18 ምስ ኣከለ ፡ ጨቋኒ ሰርዓት ደርጊ ኣብ ህዝቢ ትግራይ የፍፅሞ ንዝነበረ ግፍዕን መከራን ንምቅንጣጥ ይቃለሱ ምስ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንክፅምበር ካብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ ዓለም ቁሸት ምሻም ምስ መሓዙቱ ተመልሚሉ ብለካቲት/1983 ዓ.ም ናብ መሰልጠኒ ማእከል ብምእታው ግቡእ ስልጠና ዝወሰደ እንትኮን ካብኡ ደሓር ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ብጀጋኑ ደቂ ትግራይ ግንቦት 20/1983 ዓ.ም ምስተስዓረ ፡ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ድማ ናብ ዓዱ ብምምላስ ምልሻ ብምኳን ስርዓትን ፀጥታን ዓዱ ኣብ ምሕላው ርኡይ ተራ ተፃዊቱ እዩ ፡፡ ድሕሪ እዚ ወራሪ መንግስቲ ሻዓብያ ልኡላዊ መሬት እትዮፕያ ወሪሩ ብምሓዙ መንግስቲ ኢትዮፕያ ንዝነበሮ ነባርን ሓዱሽን ዓቅምን ብዘቅረቦ ናይ ክተት ፃውዒት ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ድማ ከም ሃገሩ ለኡላዊ መሬት እትየፕያ ብክባር ዋጋ ንምምላስ ካብ 1990 ዓ.ም እስካብ 1993 ዓ.ም ኣብ ዝተካየደ መሪር ውግእ ዝግበኦ ከፊሉ ፡ ብዓወት እንትዛዘም ድማ ናይ አካል መጉዳእቲ በፂሕዎ ፡ ብ መስከረም 1993 ዓ.ም ብክበሪ ብቦርድ ናብ ዓዱ ተመሊሱ እዩ ፡፡ ድሕሪ እዚ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ደኪሙኒ እንከይበለ ንዓዱን ህዝቡን ዘገልገለ እንትኮን ብዝነበሮ ልዑል ናይ ምቅላስ መንፈስ ድማ ካብ 2001 ዓ.ም ጀሚሩ አሰካብ 2004 ብቀጠና ዋና ኣመሓዳሪ ፤ ካብ 2005 ዓ.ም ምህረት እሰካብ 2011 ዓ.ም ድማ ብጣብያ ዋና አመሓዳሪ ብሓላፈነት ብቅንዕናን ብሉዑል ናይ ምቅላስ መንፈስ ንህዝቡን ንዓዱን ኣገልጊሉ እዩ ፡፡ ከምቲ ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ንምብርካክን ፡ ትግራይ ንምውራርን ‘ሰሜን እዝ ተጠቂዑ’ ብምባል ብጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ብልፍንታውያን ሓይልታት ኣብ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ፡ ንምምካት ተጋዳላይ ግደይ ረዳ ካብ እቲ ወራር ዝተኣወጀሉ ሰዓት ጀሚሩ ብዝቀረበሉ ህፁፅ ናይ ነባር ዓቅሚ ፃዉዒት ዝክተተ እንትኮን ብፍላይ ድማ ፡ ፀላኢ ብኣንፈት ደቡብ ተሃንዲዱ እንዳመፀ ከሎ ተጋዳለይ ግደይ ረዳ ፡ ምልሻታት ጣብይኡ ብምትሕብባር ብኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብዝተውሃቦም ተልእኮ ካብ መቀለ ናብ አንፈት ደቡብ ናይ ሙሉእ ለይቲ ናይ እግሪ ጉዑዞ ብምግባር ብሕዳር 15ን 16ን/2013 ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት፡ ፉሉይ ሽም ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝተብሃለ ስትራተጂካዊ ቦታ ፀላኢ ደው ክብል ኣብ ምግባር ምስ ምልሻታት ጣብይኡ ብምኳን ብምውጋእን፣ ብምትሕብባርን ጅግንነቱ ፈፂሙ እዩ ፡፡ ድሕሪ እዚ ፀላኢ ንመቀለ ተቆፃፂሩ ፡ ንህዝቢ እንተሳቅን ፡ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ድማ ምእነተ ህዝቦም ኣብ በረካ እንትኳሽሑ ንሱ ድማ ኣብ ናይ ከተማ ስርዒት ብምንቅስቃስን ካብ በረካ ይወሃቦ ንዝነበረ ተልእኮ ብልዑል ወነ ይፍፅም ድሕሪ ምፅናሕ ፡ ብዕለት 05/09/2013 ዓ.ም ካብ ሰራዊት ትግራይ ብዝቀረበሉ ናይ ነባር ዓቅሚ ፃውዒት ከም ቀደሙ ህይወተይ ፣ ደቀይ ፣ ቤተሰበይን እንከይበለ ምእነተ ህዝቡን ዓዱን ኢሉ ፡ ናብ በረካ ዝወረደ እንትኮን ፡፡ ብዝነበሮ ውህሉል ነባር ዓቅምን ፤ ልዑል ናይ ምቅላስ መንፈስን ኣብ አርሚ 3 ፡ ክፍለ ሰራዊት ሙሴ ተመዲቡ ልኡክ ክወሃቦ ጀመረ ፡፡ ድሕሪ እዚ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብስያመ ‘‘ወፍሪ ኣሉላ አባ ነጋ’’ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፀላኢ ብሰነ 11/2013 ዓ.ም ኣብ ዝአወጆ በርቃዊ መጥቃዕቲ ተጋዳለይ ግደይ ረዳ ድማ ካብቶም ኣብ ቁልፊ ቦታ ቁለፊ ልኡክ ተዋሂብዎም ይኳሽሑ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ነበረ ፡፡ ብመሰረት እዚ ደማ ኣብ ጣብያ ዓራቶ ፡ ዋና ዲፖ ጠያይቲ ፀላኢ ይሕልዋ ንዝነበራ ሻለቃታት ፀላኢ መንገዲ ብምዕፃው ን3 ለይትን 3 ቀትርን ብውሑድ ሓይሉ ክዋግኡ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብኡ ዝነበረ ሰራዊት ፀላኢ ተስፋ ቆሪፁ ኢዲ ክህብን ፡ ዝሓሰቦ ከይገብርን ካብ ዝገበሩ ጀጋኑ ነባር ዓቅሚ ተጋደልቲ ሓደ ኮይኑ እዩ ፡ ኣብዚ ድማ ኣብ ቲ ውግእ ብዉሱን ተወጊኡ ቆሲሉ ዝነበረ እንትኮን ኣብ ክፍለ ሰራዊቱ ሕክምና ምስተገበረሉ ናብ ሰራዊቱ ክምለስ ክኢሉ እዩ ፡፡ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ንመቀለ ምስተቆፃፀረን ፡ ካብ ሓምለ/05/2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብስያመ ‘’ብወፍሪ ኣዴታት’’ የካይዶ ኣብ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ኣርሚ 3 ፡ ኮር 1 ፡ ኣልውሃ ክፍለ ሰራዊት ፤ ሻለቃ ኣዘዚ ብምኳን ኣብ ከቢድን ናይ ጅግንነት ውግእ ካብ ቆቦ እስካብ ዞብል ከምኡ ድማ ሓያል ትዕግሰቲ ተጋደልቲ ዝነበረ ውግእ ካብ አልውሃ ወልድያ እስካብ መርሳ ካብ ሃይቅ እስካብ ደሴ ብጅግንነት እንዳተዋገአ ድሕሪ ምፅናሕ ብሬጅመንት ኣዛዚ ደረጃ ድማ ካብ ከሚሴ እስካብ ካራ ቆሬ ካብ ኣጣየ እስካብ ሰንበቴ ካብ ሸዋሮቢት እስካብ ከባቢ ደብረሲና ኣብ ዝነበረ ፍፁም ጅግነንትን ብልሓትን ዝሓትት ዉግእ ብጅግንነትን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ ፡፡ ድሕሪ እዚ ኩሉ ጅግንነት ብዕለት 10/03/2014 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ሸዋሮቢት ብናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብጅግንነት ተሰዊኡ ፡፡ ተጋዳላይ ግደይ ረዳ በዓል ሓዳር ዝነበረ እንትኮን ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ፀጋ አሰፋ አረአያ ብ1986 ዓ.ም ሓዳር ብምግባር ኣቦ 5 አወዳትን 2 አጓላት ክከውን ክኢሉ እዩ ፡፡ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!