
አንጂነር ብሩክ ታደሰ ግደይ
- ትውልዲ ቦታ: ቁሸት ገበዝያ፣ ጣብያ ዋዛ ዓዲ ኣቡና፤ ወረዳ ሕንጣሎ፤ ዞባ ደቡብ ምብራቅ
- ዕለተ‐ልደት: 26 ሕዳር 1987 ዓ.ም (ኣ. ግእዝ)
- ዕለተ‐መስዋእቲ: ሕዳር 30, 2014 ዓ.ም (ኣ. ግእዝ)
- ቦታ መስዋእቲ: ወሎ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተጋዳላይ አንጂነር ብሩክ ታደሰ ግደይ ካብ ኣቦኡ ኣይተ ታደሰ ግደይን ካብ ወላዲቱ ወሮ እልፉ ገብረስላሴን ሕዳር 26, 1987 ዓ.ም (ኣ. ግእዝ) ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ከባቢ ከተማ ሕዋነ ፍሉይ ሽሙ ገበዝያ ኣብ ትበሃል ቁሸት ተወሊዱ። ዕድሜኡ ናብ ት/ቲ ምስ በፅሐ ናይ ቀደማይ ደረጃ ት/ቱ ኣብ ሒዋነ ሙሉ ቀደማይ ቤት ት/ቲ፤ ናይ ካልኣይን ፕሪፓራቶርን ት/ቱ ድማ ኣብ ከተማ ዓዲጉደም ተከታቲሉ:: ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ልዑል ነጥቢ ብምምዝጋብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ብምእታው ሰነ 2010 ዓም ኣ.ግ ቀዳማይ ደግሪ ብ Construction Technology and Management ብልዑል ነጥቢ ተመሪቁ:: ባህግን ድሌትን ጀግና ተጋዳላይ አንጂነር ብሩክ ታደሰ ግደይ ብሞያኡ ዓዱ፥ ህዝቡን ቤተሰቡን ብቅንዕና ብምግልጋልን ብምሕጋዝን ዓላማኡ ንምስካዕ ነዊሕ ዝጥምት ዝነበረ ተባዕ መንእሰይ ነይሩ። ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ናይ ናይ ፅንተት ኲናት “ኣነ ብህይወት እናሃለኩ ዓደይን ህዝበይን ብፀላኢ ኣይድፈሩን ፤ ኣሕዋተይን ኣዴታተይን ብግፍዒ እንትድፈራ: ንፁሃን ኣሕዋተይን ኣያታተይን ብግፍዒ እንትርሸኑ ኮፍ ኢሉ ዝርኢ ስነ ልቦናን ሞራልን የብለይን” ብምባል ፀላኢ ካብ ትግራይ ፀራሪጉ ንምውፃእን ሕነ ንምፍዳይን ሰነ 2013 ዓ. ም (ኣ. ግእዝ) ናብ ቃልሲ ተፀምቢሩ:: ኣብቲ ዝኣመነሉ ቃልሲ ሓላፊ ordinance ናይት ዝተመደበላ ኣርሚ ብምዃን ሓላፍነቱ ብጅግንነትን ብትብዓትን ኣብ ምውፃእ እናሃለወ TDF ካብ ሰሜን ሸዋ ናብ ትግራይ ይምለሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሕዳር 30, 2014 ዓ.ም (ኣ. ግእዝ) ምስ ብፆቱ ብክብሪ ተሰዊኡ። ጅግና ተጋዳላይ አንጂነር ብሩክ ታደሰ ግደይ ሩህሩህ፣ ዕጉስ፣ ንፉዕ፣ የዋህ፣ ብኩሉ ሰብ ዝፍተው፣ ኮታስ ምንም ጎደሎ ዘይነበሮ ከም ሽሙብሩክ ዝነበረ ጀግና ተጋዳላይ ነይሩ:: ብሰላም ዕረፍ! ክብርን ሞጎስን ንስወኣትና!