ፀጋዉ ሃፍቱ በርሀ

  • ትውልዲ ቦታ: ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ወረዳ ቦራ፣ ቑሸት ባሕሪ ደጎላይ
  • ዕለተ‐ልደት: ማዝያ 1, 1968 ኣ.ግ
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: ሕዳር 13, 2013 ኣ.ግ
  • ቦታ መስዋእቲ: ነጋሽ ዉቕሮ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ስዉእ ተጋዳላይ ፀጋዉ ሃፍቱ በርሀ ካብ ወላዲቱ ሰንበቱ ኣብርሃ ኣቡኡ ሃፍቱ በርሀ ብ1968 ማዝያ 1 ኣ.ግ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ቦራ ቑሸት ባሕሪ ደጎላይ ተወሊዱ ዓብዩ። ፀጋዉ ኣብ 4 ቆልዑ (2 ኣወዳት 2 ኣጓላት) እንትኸዉን፤ ብ1991 ኣ.ግ ኣብ ወራር ሻዕብያ ግዜ ወራር ንምክልኻል ናብ ገድሊ ተፀበረ። ድሕሪ ወራር ሻዕብያ 'ዉንጀላ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ክፍለ ሰራዊት 11 ካብ ተራ ወታደር ጀሚሩ ክሳብ ሻምበል ባሻ ኮይኑ ክሳብ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀላ ግዜ ኣግልጊሉ እዩ። ኣብ 2013 ኣ.ግ ጥቅምቲ 24 ጀሚሩ ፅንተት ልፍንታዉያን ወረርቲ ሓይልታ ንምምካት ናብ ሰራዊት ትግራይ ተፀቢሩ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ምዉጋእ እንዳሃለየ ሕዳር 13, 2013 ኣ.ግ ኣብ ግምባር ዉቕሮ ነጋሽ ኣብ 45 ዓመቱ ተሰዊኡ።