
ኣረጋዊ ኪዳኑ ገብረሂወት
- ትውልዲ ቦታ: ጉቦ ዴጋት
- ዕለተ‐ልደት: 05 /04 /1987
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 24 / 03 / 2014
- ቦታ መስዋእቲ: ሃርቡ ደቡብ ወሎ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ዘተወለደሉ ቁሸት ጉቦ ዴጋት ጣብያ ደብረኣባይ ዝዓበየሉ ካብ 9 ዓመት ክሳብ ወዲ 23 ዓመት ኣብ ሑሞራ ብትምህርትን ንግድን ካብኡ ኣብ ኣሶሳ ብንግዲ ክሳብ 2011 ዓ ም ዳሓር ብዕግርግር ምክንያት ኣብ መቀለ ክሳብ 20 /01 2013 ተመሊሱ ኣሶሳ ውልቃዊ ስራሕ ናሰረሓ ድሕሪ ምፅናሕ ኩነታት ይጅምር ዳሓር " ፀጉርካ መሊጡ ዘሎ ናይ ቀደም ተጋዳላይ ኢካ ትመስል ኪድ ናብ ዝመፃካዬ ተባሂሉ ን ኣዲስ ኣበባ ኣብኡ ውን ፅባሕ ሰነ21/ 10 /2013 ምእሳር ስለዝጀመረ ብዓፋር ገይሩ ረዳት ኮይኑ ሕድሕድ ኬላ ሓሊፉ ቀጥታ ናብ ቃልሲ ተፀምቢሩ ኣቦ ብሬን ተባሂሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ዋላ ኳ መስዋእቶምመሪር እንተኾነ ሳለኦም ጭላንጭል ሰላም ንርኢ ኣለና።