
ሙሉጌታ ሳምሶም ጋይም
- ትውልዲ ቦታ: እንዳባፃሕማ/ዕ/ዓርቢ
- ዕለተ‐ልደት: 21/03/1992 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 10/02/2015 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ኣድያቦ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሙሉጌታ ሳምሶም ንወላዲቱ ወ/ሮ ኣፀደ ብርሃነ ሓደ ጥራሕ እዩ፤ ርህሩህን ንሰብ ሓዛኒን ለጋስን ንኡስ እዩ ነይሩ። ኣብ ጭፍራ ከብዱ ተወቂዑ ድሕሪ 6 ወርሒ ሕክምና ተመሊሱ ናብ ኣሃዱኡ ኣትዩ። ነቲ ለጋስ ባህሪኡ ሂወቱ ብምሃብ ዛዚምዋ። ኣነ ሓወቦኻ ኣብ ጎንኻ ኾይነ ስለዘይሓገዝኩኻ ንዘለኣለም ይሓዝን (ዶ/ር ፅጌ ጋይም)።