
ሰለሞን ኣብርሃ ሃፍቱ
- ትውልዲ ቦታ: እንደርታ ወረዳ ጣብያ ድድባ ቁሸት መረብ ምኢቲ
- ዕለተ‐ልደት: ሰነ 12/1994
- ዕለተ‐መስዋእቲ: ኣይተፈልጠን
- ቦታ መስዋእቲ: ኣይተፈልጠን
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሰለሞን ኣብርሃ ሃፍቲ ብ12ሱነ 1994 ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ድድባ ቁሸት ማይ ቀያሕ ተወሊዱ። ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1-6ይ ክፍሊ ኣብ ማይ ቀያሕ ቀዳማይ ብርኪ ተማሂሩ ቀፂሉ ካብ 9-10ይ ኣብ መረብ ሚኢቲ ተማሂሩ። ድሕሪ ምውላዕ ኩናት ድማ ለካቲት 11, 2013 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ባንዴራ ትግራይ ሒዝኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ፀላኢ ዝወሰዶ መርሸንቲ ብዓይኑ ብምርኣዩ ምሒር ጓሂ ፈጢሩሉ ብሰናይ ፍቓዱ ብለካቲት 16/2013 ናብ ከባቢ ሳምረ ፎያያ ማእኽል መሰልጠኒ ተፀንቢሩ። ብድሕሪ እዚ ሓደ መዓልቲ ኮማንዶ ሰልጢኑ መራሕቲ ዕጀባ ከምዘሎ ብስልኪ ካብ ምድሃይ ወፃኢ ዝኾነ ሓበረታ ኣይሃበን። ሰለሞን ምንም ሓዳር ኮነ ውላድ ዘይነበሮ መንእሰይ እዩ። ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ብመንግስቲ መርድእ ካብ ምስማዕ ወፃኢ ኣበይን መዓስን ተሰዊኡ ሓበረታ ክርከብ ኣይተኸኣለን።