
ሓለፎም ተአምራት አብርሃ
- ትውልዲ ቦታ: ዞባ ምብራቂ ወረዳ ሱቡሓ ሳዕስዕ ጣብያ ሰውነ
- ዕለተ‐ልደት: 1987
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 01-04- 2014
- ቦታ መስዋእቲ: ሴሜን ወሎ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ስውእ ተጋዳላይ ሓሎፎም ተአምራት አብርሃ አብ ጣብያ ሰውነ ወረዳ ሱባሓ ሳዕስዕ ብ1987 ዓ.ም ዝተወለደ ኮይኑ ዕድመ ትምህርት ምስ በፅሐ አብ ሰውነ ቀደማይ ብርኪ ትምህርት ቤት ክሳብ 8ይ ክፍል ተማህሩ ካቡ ብምቅፃል 9ይን 10ይን አብ ዐዳጋሓሙስ ካልአይ ብሪክ ተማህሩ ካቡ ብምቅፃል ናብ አዲስ አበባ ብምካዲ ናይ ኤክስካባተር ላይሰንስ ብምውፃእ ክሳብ ናይ ትግራይ ዘርእ ምጥፋ ኩናት ዝተወለዐላ ማዓልት ኤክስካባተር ኦቡሬተር ኮይኑ አብ ልምዓት ዓዱ ይሳተፍ ነይሩ አብ ወሪሕ ጉንበት 2013 ድማ ናብ ሰራውት ትግራይ ተፀምብሩ ስውእ ተጋዳላይ ሓለፎም ተአምራት ካብ እግረኛ ተዋጋእ ክሳብ መራሕ ሓይል ኮይኑ ካምዝተዋገአ ብፆቱ ይዛረቡ ስውእ ተጋዳላይ ሓለፎም ተአምራት ወዲ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ተአምራዊ አብርሃ እንትኾን ስውእ ተጋዳላይ ተአምራት አብርሃ አብ ወርሕ ጥሪ 2013 ዓ.ም ኩቡሩ መስዋዕትነት ዝኸፈለ ነባሪ ተጋዳላይ ነይሩ።