
ሳሚኤል ሃይሉ ፍቓዱ
- ትውልዲ ቦታ: ዓዲጉዶም
- ዕለተ‐ልደት: 21/06/1994
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 09/04/2014
- ቦታ መስዋእቲ: ዞብል
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ተጋዳላይ ሳሚኤል ሃይሉ ፍቓዱ ካብ ኣድኡ ወ/ሮ ኣምለሱ ዓምድዝጊና ኣቡኡ ኣቶ ሃይሉ ፍቓዱ ኣብ ከተማ ዓዲጉዶም ብ ዕለት 21/06/1994 ተወሊዱ።ዕድምኡ ንትምህርቲ እንትበፅሕ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ዓዲጉዶም ተማሂሩ ኾይን ግና 12 ክፍሊ ምስ በፅሐ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈነወ ቅሉዕ ወራር ኣጋጠመ ተጋዳላይ ሳሚኤል እውን እቲ ወራር ንምምካት ምስ መሓዝቱ በረኻ ወርደ።ኣብ ሮማናት መዐለሚ ወትደራዊን ፖለቲካውን ታዕሊም ወሲዱ ብፀብለልታ ታዕሊሙ ዛዝዚሙ ናብ ኣርሚ 42 ተመዲቡ ምስ ሺሾ ፀላእቲ ኣብ ምኩሻሕ እናሀለወ ኣብ ዞብል ምእንተ ክብሪዓዱን ህዝቡን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ።ክብርን ሞሳን ምእንታና ንዝተበጀው ጀጋኑ ሰማእታት።