
ክብሮም ወ/ብርሃን ዘወልዲ
- ትውልዲ ቦታ: መቐለ
- ዕለተ‐ልደት: 21/08/1988ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 03/02/2014ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ሶዶማ ዲሎ-ሮቃ፣ ከተማ ጭፍራ፣ ክልል ዓፋር
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተ/ይ ክብሮም ወ/ብርሃን ዘወልዲ ካብ ኣቡኡ ተጋዳላይ ኢንስፔክተር ወ/ብርሃን ዘወልዲ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ስንዳዮ ታረቀ ኣብ ከተማ መቐለ ምምሕዳር ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ፍሉይ ቦታ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ኸባቢ ብዕለት 21/08/1988ዓ.ም ተወሊዱ። ተ/ይ ክብሮም ወ/ብርሃን ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ ኣብ ከተማ ካብ 4ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ደብሪ ካብ 9ይክፍሊ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሰውሒ ንጉስ ተማሂሩ። ተ/ይ ክብሮም ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ዝልዓለ ነጥቢ ኣምፂኡ ናይ 5 ዓመት ትምህርቲ ምህንድስና (Engnering) ብኤሌክትሪካል ኮምፒተር ምህንድስና ብዝለዓለ ነጥቢ ኣጠቓሊሉ ካብ ዓዲ ግራት ዩኒቨርስቲ ናይ መጀመሪያ ዲግሪኡ ኣብ 2013ዓ.ም ረኺቡ። ተ/ይ ክብሮም ወ/ብርሃን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ፅንተት ወራር ኣነ እናሃለኹ ህዝበይ ኣይፀንትን ኢሉ ብዕለት 28/10/2013ዓ.ም ካብ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሓድነት ጣብያ ደብሪ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ወለዱ ወፂኡ ኣባል ሓይልታት ምክልዃል ትግራይ ኾይኑ ተፀንቢሩ (ተጋዲሉ)። ተ/ይ ክብሮም ወ/ብርሃን ኣብ ከተማ ደንጎላት ዝርከብ ማእኸል ስልጠና ወተሃደራውን ፓለቲካውን ስልጠንኡ ወዲኡ ኣብ ኣርሚ 44 ክ/ሰራዊት ሓኽፈን ሻለቃ መዓሾ ሓይሊ ኣርባዕተ ተመዲቡ እናተዃሸዐ እናሃለወ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ጭፍራ ፍሉይ ቦታ ሶዶማ ዲሎ-ሮቃ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣንፃር ፀላኢ ኣብ ዝተገበረ ፅዕፁዕ ውግእ ብዕለት 03/02/2014ዓ.ም ክቡር መስዋእቲ ኸፊሉ።