
ወናም ሃይለስላሰ
- ትውልዲ ቦታ: ገለበዳ ዓንዶም (በትሮ)
- ዕለተ‐ልደት: 1966
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 15 መስከረም 2015
- ቦታ መስዋእቲ: ኣልውኋ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ወናም ኣቦ 6ወዳትን፤1ጓልን ኮይኑ ብገባርነት ዝመሓደር ጀግና ምላሻ እዩ ነይሩ። ወናም ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምፅናት ካብ ዝጅመረላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ጀሚሩ ን 35ልዕሊኡን ውግኣት ተሳቲፉን መሪሑን ተዋጊኡን እዩ። ወናም ኣባል ኣርሚ 22ኮር 222ሓይሊ 2ሻለቃ3ክፍለሰራዊት ማንጁር መራሒ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ወናም ኣዚዩ ሩሕሩሕን ጀግና ትግራዋይ እዩ ነይሩ። ነገር ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ወራር ወርሒ መስከረም 15/1/2015 ኣ /ግ ምሽት ሳዓት 12:ኣብ ሓያል ፅዑፁዕ ውግእ እናመርሓን እናተዋገአን ካብ ፃላኢ ብዝተተኮሰት ሞርታር ኣብ ኣልውኋ ተሰዊኡ። ስነስርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ ኣለማጣ ስፍራ ጀጋኑ ተፈፂሙ።