
ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ)
- ትውልዲ ቦታ: መቐለ - ትግራይ
- ዕለተ‐ልደት: 14/02/1985 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 24/12/2014 ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ኮረም
ሓፂር ሂወት ታሪክ
*** ሓፂር ህይወት ታሪኽ ተጋዳላይ ዶክተር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) *** ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/ፃዲቕ ኣብርሃ ካብ እንኡ ወ/ሮ ካሕሳ ገ/ሃወርያ ብ14/02/1985ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ከባቢ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስቲያን ተወሊዱ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ገና ካብ ህፃንነቱ ጀሚሩ ንቑሕ፣ተፈታዊን ተፃዊትን ኾይኑ ድምቀት ስድራን ጎረባብትን ነይሩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲሓቂ፣ ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ከምኡ እውን ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ሓቂ ተማሂሩ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ካብ 1ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝውድእ ብትምህርቱ ንፉዕ ኣብ ነፍሰወከፍ ክፍሊ ብልዑል ነጥቢ ብፀብለልታ እንዳተሸለመ ብብቅዓቱን ብስለቱን ንወለዱ፣ቤተሰቡን መማህርቱን ኹርዓት ነበረ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) መስተዋዕሊ፣ብስነ ምግባሩ ምስጉን፣ ንወለዱ ቀትርን ለይትን ዝሕግዝ፣ብትምህርቱ ክበፅሖ ንዝደሊ ዕላማ ዝፅዕር፣ ንመሓዙትን መማህርቱን ዝሕግዝ ቅኑዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ከምቱ ሕልሙን ባህጉን ናይ 12 ክፍሊ ካብ ሃገር ደረጃ ካብቶም ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ሓደ ኾይኑ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዓይደር ጥዕና ሳይንስ ኮሌጅ ብትምህርቲ ሕክምና ትምህርቱ ንምክትታል ብ2006ዓ/ም ኣትዩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ነቲ ብሕማም ዝሳቐ ማሕበረሰቡ ካብ ሕማምን ስቓይን ንምንጋፍ ለይትን ቀትርን ብምፅዓርን ጠንኪሩ ብምስራሕን ብ02/05/2012ዓ/ም ብልዑል ነጥቢ ሓፈሻዊ ሓኪም(GP) ኾይኑ ተመሪቑ። ከምታ ካብ ህፃንነቱ ዝተመነያ!! ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ነቲ ዝተምሃሮ ሞያ ሒዙ ቦታን ኩነታትን ከየማረፀ መንግስቲ ኣብ ዝመደቦ ቦታ ኾይኑ ህዝቡ ንምግልጋል ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ እንትጮ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መለስ ሓፈሻዊ ሓኪም ብምዃን ክሳብ 10 ሕዳር 2013ዓ/ም ንህዝቡ ብውፉይነት ኣገልጊሉ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ኣብ ሞንጎ እዚ ኹነታት እናሃለወ እታ ኻሕዳም ሃገር ኢትዮጵያ ምስ ልፍንታውያን ሓይልታት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጦርነት ኸፊታ።ፀላኢ ደፊኡ ናብ እንትጮ ምስቐረበ ድማ ምስ ናይ ሞያ መሓዙቱ ብምዃን ነቶም ኣብኡ ዝሕከሙ ዝነበሩ ውግኣትን ካልኦት ዘድልዩ ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ብምሓዝ ብ10/03/2013 ዓ/ም ናብ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝርከብ ናብ ምሽግ ኣምርሑ። ኣብቲ ቦታ ድማ ማእኸል ሕክምና ብምጥያሽ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ዝተወቅዑ ውግኣት ይሕክም ነበረ። ብዝነበሮ ውውፉይነትን ፅንዓትን ናይቲ ግንባር ሕክምና ሞያ መተሓባበሪ ብምዃን ካብ 21 ሕዳር 2013ዓ/ም ክሳብ 6 ሓምለ 2013ዓ/ም ብዝለዓለ ሓቦን ኒሕን ተቓሊሱ እዩ። ካብቶም ዝሕክሞም ዝነበረ ውግኣት ተጋደልቲ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበራ ከባቢ 300 ኣዴታት ኣዋሊዱ እዩ።ንኻልኦት ብሰንኪ ሕማምን ኣብቲ ከባቢ ብፀላኢ ምኽንያት ሕክምና ክረኽቡ ዘይኸኣሉ ወገናት ይሕክምን ይሕብሕብን ነበረ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ካብ እምባታት ዓዲ ኣሕፈሮም ተላዒሉ ናብተን ብፀላኢ ዝተትሓዛ ከተማታት እንትጮ፣ፈረስማይ፣ዕዳጋ ዓርቢ ብለይቲ እናኣተወ መድሓኒት ዘለወን መኽዝናት ብስለላ እናፅንዐ ንውግኣትን ነተን ወላዳትን ዝኾን መድሓኒት ሒዙ ብምውፃእ ትንፋስ ህዝቡን ሰራዊትን ከምዘድሓነ ብፆቱን መራሕቱን ብኣድናቖት ይምስክርሉ እዮም። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) እቲ ከይተምሃረ ዘምሀሮ ህዝቡ ብወረርቲ ዝበፅሖ ግፍዒ ከይኣኽሎ ብሕማምን ከይሳቐን ኩሉ ዝከኣሎ ብምግባር ብቲ ሓደ ኢዱ ብረት በቲ ሓደ ኢዱ ድማ መድሓኒት ሒዙ ዝተቓለሰ ጅግና እዩ። ኣፍቲ ነጥቢ መቐይሮ ዝኾነ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ሸውዓተ ሕጉም እውን ኣብ ማእኸል ውግእ ብምእታው ዝተወግኡ ብፆቱ ብምሕካም እቲ ወፍሪ ንክዕወት ናይ ባዕሉ እጃም ኣበርኪቱ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ድሕሪ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ እውን ክሳብ 6 ሓምለ 2013 ዓ/ም ነቶም ዝተወግኡ ብፆቱ እናሓከመን እናድሐነን ብምፅናሕ ናብ እቲ ዝነበሮ ሆስፒታል መለስ እንትጮ ብምኻድ ብሓላፍነት ከገልግል ተመዲቡ ክሳብ 17 መስከረም 2014 ዓ/ም ምስ መሳርሕቱ ብምዃን እቲ ብፀላእቲ ዝዓነወ ሆስፒታል ውስን ምምሕያሻት ክገብር ኽኢሉ እዩ። ድሕሪ እዙይ ድማ እዩ ናብ ግንባር ተመሊሱ ክዋጋእን ዝተወግኡ ብፆቱ ንምሕካምን ወሲኑ መስርዕ ክመልእ ዝወሰነ። ዝገርም ፅንዓት - መሊኡ ዝፈስስ ፍቕሪ ዓድን ህዝብን ዝተዓደለ ጅግና ተጋዳላይ!! ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) እዙይ እንትውስን ናይ ቀረባ ሓሊፍኡ ነዚ ከምዘይፈቕደሉ ስለዝርዳእ ማለት እውን ኣብዚ ቃልሲ ኣብ ግንባር እውን ቃልሲ ይብሎ ስለዝነበረ ንዕኡ ሓሊፉ ናብ ምምሕዳር ከተማ እንትጮ ብምኻድ ናብ ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ንምስታፍ ናይ ድጋፍ ድብዳቤ ክህብዎ ሓተቶም።ንሳቶም እውን እንተኾኑ ኣብ ኹሉ ምግዳል እዩ ንሸሞንተ ወርሒ ኣብ በረኻ ኾይንኻ ተቓሊስኻ ኢኻ ሐዚ ድማ ኣብዚ ኾይንዃ ስራሕ እንተበልዎ ዶክተር ብርሃነ ወዲ ፃዕዱ ግን እቲ ሆስፒታል ብወረርቲ ብምዕናውን ብዙሕ ዘጨናንቕ ስራሕ ከምዘየለን ብዘይ ስራሕ ኮፍ ክብል ከምዘይደሊ ብምሕባርን ብ17/01/2014ዓ/ም ብመቐለ ገይሩ ናብ ደቡብ ግንባር ኣርሚ 22 ኸደ። ኣብ ኣርሚ 22 ብርክት ዝበሉ ውግኣት ጋሸና፣ወረኢሉን ከባቢታት ዓፋርን ምስተሳተፈ ድማ መተሓባበሪ ክፍሊ ሕክምና ኣርሚ 26 ኾይኑ ተመደበ። ሸኺሉ ተዋጊኡ ዘይደክም ጥይት ብግንባርኡ እምበር ብሕቕኡ ክውቃዕ ፈፂሙ ዘይፈቅድ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዶ/ር ብርሃነ ገ/ፃዲቕ (ወዲ ፃዕዱ) ኣብ ኩሎም ዓውደ ውግኣት ተጋዳላይ ኾይኑ ብረት ዓጢቑ ተዋጊኡ፣ ሓኪም ኾይኑ ዝተወግኡ ብፆቱ ብዘይ ዕረፍቲ ሓኪሙ ፣ መራሒ ኾይኑ ናይ ሞያ መቓልስቱ ኣተሓባቢሩ እዩ። ንሓንቲ ደቒቓ እውን ብህዝቡን ዓዱን ዘይዋገ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ወዲ ፃዕዱ ደኺሙ ሰልችይኒ ከይበለ ኣብቲ ህዝባዊ መኸተ ርኡይ ተራ ዝተፃወተ ኣብ መሪሕነቱን ኩለመዳያዊ ብስለቱን ተኣማንነቱ ዘርአየ ጅግና ተጋዳላይ ነይሩ። ግን ጅግና ኣይነብርን!! ኣብ ዞብል ዝተረኸበ ዓወት ዘምፅኡ ጀጋኑ ውጉኣት ንምሕካምን ነቶም ዝሕክሙ ዝነበሩ ብፆቱ ንምትሕብባርን ላዕልን ታሕትን እናተወናጨፈ እናሃለወ ኣብ ኮረም ብ24/12/2014ዓ/ም ለይቲ 5:30 ብድሮን ዝተቶኮሰ ቁምብላ ተወቒዑ ምእንተ ህላወ ህዝቡ ክቡር መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። እታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ህይወቱ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን በይዛ ኾይኑ ኸፊልዋ እዩ። ብፆቱ ድማ ኣስከሬኑ ኣልዒሎም ኣብ ራያ ዓዘቦ መቃብር ሃርበኛታት ብወታደራዊ ኽብሪ ዓጂቦም ቀቢሮሞ እዮም። ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!