
ኣስመላሽ ሃይላይ ( ማንጁስ )
- ትውልዲ ቦታ: ገረዓልታ
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 19 መስከረም 2015
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢ ገረዓልታ እዩ ብትምህርቱ ማንም ዝቅድሞ የነበረይ ድሕሪ ናይ 12 ትምህርቱ ምዉድኡ ናብ ኣርባምንጭ ዩንቨርስቲ በፂሕዎ ብማኔጅመንት ይከታተል ድሕሪ ምፅናሕ ብምክንያት ኮረና ናብ ትግራይ ተመሊሱ። ወድያው ኲናት ብምክፋቱ ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዱ ድሕሪ ሰነ 21 ናይ ሞርተር ኦፒ ኮይኑ ስልጠናታት ወሲዱ እዩ ንሱ ዓቂኑ ዘተኮሳ ሞርተር ብፍፁም እያ ናብ መሬት ዘይትነጥብ ብስርሑ ብፆቱን ላዕለዎት ኣመራርሓን ብጠዓሚ የድንቅዎ ነይሮም ኣብ ናይ ጭፍራ ዉግእ መስተንክራዊ ዓወት ብምምዝጋብ ብዙሕ ቅያ ሰሪሑ እዩ ኣብ ሚለ ብዝገርም ጥበብ ናለክዐን ናደመረን ናባዝሐን የተኩስ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ሚለ ካብ ፀላኢ ብዝተቶከሰ ሞርተር ኣብ ኢዱ ተወቂዑ ናብ ሕክምና መቐለ መፂኡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣሃዱ ተመሊሱ። 3ይ ዙር ኲናት ምስተከፈተ ብመስመር ቢሶበር ናብ ዓፋር ዝወስድ መንገዲ ብዝገርም ብቅዓት የዋግእ ነይሩ እዩ ናይ ፀላኢ ድፋዕ እዉን ተሰይሩ ሽዑ ንመስመር ቆቦ ሒዘንኦ ዝነበራ ኣሃዱታት ንፀሊሞ ገፅ ግዳጅ ምስከዳ ናትና ኣሃዱ እቲ ክፍቲ ዘሎ ቦታ ንክትሽፍኖ ግዳጅ ተዉሃባ ካብ ዓፋር ንቆቦ ገፅ ከይዳ ግዳጃ ትፍፅም ነይራ ብፃይ ኣስመላሽ( ማንጁስ ) ከቢድን ዕረፍቲ ዘይብሉ ኲናት ይመርሕ ኣብዝነበረሉ እዋን ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ብሬን ኣብ ከባቢ ጎብዬ ብዕለት 19_01_2015 እታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሂወቱ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ