ሃ/ማርያም ኪዳኑ ተ/ሃይማኖት

  • ትውልዲ ቦታ: ዓዲጉዶም
  • ዕለተ‐ልደት: 19/11/1982
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 27/2/2014 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ማጀቴ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታሪኽ ጀግና ተጋዳላይ ሃ/ማርያም ኪዳኑ ጀግና ተጋዳለይ ሃ/ማርያም ኪዳኑ ካብ አቡኡ አይተ ኪዳኑ ተ/ሃይማኖት ካብ አዲኡ ወ/ሮ ሙሉ ወ/ሰንበት ብ 19/11/1982 ዓ/ም አብ ወ/ሕ/ወ/ ጣብያ አራ ዓሰገዳ ቁሸት ሂድሞ መይሃይዲ ተወለደ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ አኸለ አብ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ማይሃይዲ ካብ 1ይ_3ይ ዝተኻታተለ እንትከዉን ካብ 4ይ_8ይ ክፍሊ ድማ ምስ ሓፍቱ ብሙኻን አብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ዓረና ተኸታቲሉ እዩ። አብ እዋን ትምህርቱ ብፀባዩን ብትምህርቱን ብጣዕሚ ምስጉን ልዑል ዉፅኢት ዘመዝግብ ዝነበረ በሊሕ ተምሃራይ ምንባሩ መማህራኑን ማሓዝቱን ብፉሉይ ይገልፅዎ። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ናይ ካልአይ ደረጃ ትምህርቱ እዉን አብ ሃየስኩል ካልአይ ብርኪ ዓድጉዶም ብሉዕል ዉፅኢት ዝተኻታተለ በሊሕ ተምሃራይ ነይሩ። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ አብዚ እዋን እዚ ንወለዱ ምኡዙዝ ብማሓዙቱን በመንደሩን ዝናአድ ፀባየ ሰናይ ምስ ስብ ይትረፍ ምስ ግኡዝ ዝኮነ ነገር እዉን ተዋሂዱ ዝነብር ብዓል ጡዑም ላዛን ሳሓቅን ጫወታን ዘይፍለዮ ኮታስ ዘይምኖ ባህሪ ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ብዝነበሮ ልዑል ናይ ሃገር ፍቅሪ አብ ፌደራል ፖሊስ ተመዝጊቡ ሓፂር ስልጠና ብምዉሳድ ነታ ከዳዕ ሃገረ ኢትዮጵያ ካብ 2003 ክሳብ 2008 ዓ/ም ንአስታት ሓሙሽተ ዓመት ብቅንዕናን ታአማንነትን አገልጊሉ እዩ። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ድሕሪ እዚ በተን ዝኽፈልኦ ማሃያ ሂወቱን ሂወት ቤተሰቡን ክቅይር ስለ ዘይካአለ ነቲ ዝነበሮ ትሑት ሠነባብሮ ንምቅያር ክብል ናብ ናይ ዉልቀ ስርሑ ንምስራሕ ናብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ማለት ናብ ሑሞራ አምረሐ። ንአስታት ሓሙሽተ ዓመት ብሞያ ሃናፅነት ናብርኡ ንምቅያር ላዕልን ታሕትን እናበለ ዝርህፅ ዝነበረ ህርኩት ሰራሕተኛ ነይሩ። ጀግና ተጋዳላይ ሃ/ማርያም ኪዳኑ አብዚ መንጎ እዚ ናብርኡ ንምልዋጥ ብዝነበሮ ባህግን ወነን ንሱዕዲ እዉን ሞኪሩ ነይሩ እዩ። እምባአርከስ ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን እዩ ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ አብ ክልልና ብዝተአወጀ ኩናት ጆነሳይድ ትግራይ አምሪሩ ብምቅዋም ብዕለት 18 ሓምለ 2013 ዓ/ም ነባር ዓቅሚ ስለ ዝነበረ ብቀጥታ ናብ አርሚ 15 ኮር 153 ክፍለ ሰራዊት መርከብ (553) ሻለቃ 1 ሓይሊ 3 ተመደበ። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ አቦ ስናይፐር ኾይኑ ታአምረኛ ዉግአት አካየደ። እዚ ታአምረኛ ጀግና እሱን ስናይፐሩን ዓወት ቆሪሶም ዓወት ዝድረሩ ኾኑ። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ምስ አሃዲኡ ኮይኑ ካብ ዝተሳተፈሎም ዓዉደ ዉግአት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከም ዝባሃል ንእሽተይ ንምጥቃስ ዝአክል አብ ከባቢ ሃይቂ ብዕለት 17_18_19 ንአስታት ሰለስተ ማዓልቲ ዝፀነሐ ናይ ቀትርን ለይትን ህልኽ ዘወድእ ዉግእ አብ ማርሳ ፣ አብ ዋርጌሳ ፣ ጋራንታ ፣ ውጫሌ፣ ደሴ ፣ ኮምቦልሻ ፣ አጣየ ፣ ቀይ ፣ ካራቆርየ ፣ ሰምበተ.....ብተአምር ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ብብቅዓትን ብሙሉእ ዓርሰ እምነትን ዓወትን ብስራትን ዝሓፈሰሎም ዓዉደ ዉግአት እዮም። አብ ፀላኢ ስናይፐሩ ፀሚዱ ሰፈሕቲ ኪሳራታት ዘዉረደ ንህዝቡን ንዓዱን ደም ዝሓፈሰሎም አክራናትን ሜዳታትን ነይሮም እንተበልና ምግናን አይከዉንን። ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ ብዙሕ ዕጥቅን ስንቅን ብዙሕ ሰራዊት ፀላኢ ዝማረኸን ንፀላኢ ሕረሕራይ ገይሩ ዘባረረን ዘርገፈን ሕነ አደ ትግራወይቲ ዝፈደየ ጀግና እንትኸዉን ነዚ ጀግንነቱ ዝረአዩ መራሕቱ እዉን ሃይለ ስናይፐር ዝብል ሽም ሂቦሞ ነይሮም እዮም። ብስሩ እዉን አብታ አሃዲኡ ሃይለ ስናይፐር እምበር ሃ/ማርያም ኢሉ ዝፅዉዖ አይነበረን። እቲ ምንታይሲ ስናይፐሩ ብደምቢ ዝዝዉራ ቶኪሱ መሬት ዘየልሕስ ስለ ዝነበረ እዩ ኢሎም መረሕቱን ብፆቱን መስኪሮምሉ እዩ ። አታ አታ ታይ እሞ ጀግናስ ታሪኩ እምበ ሂወቱ አይነብርን ከም ዝበሃል ኮይኑ ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ብዕለት 27/02/2014 ዓ/ም አብ ማጀቴ አብ ዝነበረ ሓያል ዉግእ እናተዋገአ እንተሎ ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ (ሃይለ ስናይፐር) ናብ ዕለት 28/02/2014 ዓ/ም ናብ ዘዉግሕ ለይቲ ስዓት 12:00--1:00 አከባቢ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰት ጥይት ስናይፐር ተወቂዑ ሂወቱ ሓለፈት። አየ ገድሊ አየ ቃልሲ ምጭካኑ የላልየካ እምበር ማዓዝ ኾን የማኑ..... ጀግና ተ/ሃ/ማርያም ኪዳኑ (ሃይለ ስናይፐር) ንዕወት ትግራይ ትስዕር እናበለ በታ ከም ማዓር እትልሓስ አንደበቱ ካብዛ ዓለም ብጀግንነት ተሰናቢቱ። ስነ ስርዓት ቀብሩ እዉን አብ ማጀቴ ጥቃ ባቡር ሃዲድ መሓዙቱን ብፆቱን መረሕቱን አብ ዘለዉሉ ተፈፀመ። ጀግና ታሪኹ እምበር ሂወቱ አይነብርን ታሪኽ ጀግና አይነዕብርን ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና !