በረከት በርሀ
- ትውልዲ ቦታ: መቀለ(እንዳገብርሬል ሰፈር)
- ዕለተ‐ልደት: 16 ነሓሰ 1990
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 04 ጥቅምቲ 2014
- ቦታ መስዋእቲ: ሰሜን ወሎ ፍሉይ ቦታ ዱላሩቃ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ተጋዳላይ በረከት ካብ ኣቡኡ ቐሺ በርሀ ሾጋዕ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ለምለም በርሀ ብ ዕለት 16/12/1990 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሰፈር እንዳ ገብርኤል(ጮማ ሰፈር) ተወሊዱ።ጅግና ተጋዳላይ በረከት ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ-8ይ ክፍሊ ኣብ ሙሉእ ቐዳማይ ብርኪ ሓየሎም ካብ 9ይ-10ይ ድማ ኣብ2ይ ብርኪ ቤ/ት ፍራኣቤት ቐፂሉ ድማ ኣብ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ሜታል እንጂኔሪግ ፕሮዳክሽን ማናጅመንት ስራሕቲ ሓፂን መፂን እስካብ Level 4 ተማሂሩ ተመሪቑ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ በረከት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ልተኣወጀ ኵናት ንምምካት ብ ሚያዝያ/2013 ዓ.ም ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ተጎጋ ፍሉይ ቦታ ድማ ምሽላም ናብ መሰልጠኒ ታዕሊም ተፀንቢሩ።ካብቲ መሰልጠኒ ዝተዉሃቦ መራሒ መስርዕ ብሙኻን ብዝግባእ ስልጠንኡ ዛዚሙ ብዕለት 18/10/2013 ዓ.ም ናብ መኸተ ግንባር ኣርሚ-4 ኮር-401 ክ/ሰ-መቐለ ሓይሊ-2 ሬጅመንት-3 ተፀንቢሩ። ጅግና ተጋዳላይ በረከት በርሀ ብዕለት 29/11/2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ቦታ በሊሶማ ኣብ ልነበረ ፅዕፁዕ ዓዉደ ዉግእ እናዋገአ እነሃለወ ካብ ፀላኢ ዝተተኮሰ ቡምባ መቑሰልቲ ኣጋጢምዎ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ናይ ሰራዊት ትግራይ ማእኸል ሕክምና ሕክምንኡ ምስ ወደአ ድማ ብፆተይ ልመን ክሓድጎም ሕድሪ ህዝበይ ኸ ብምባል ብዕለት 20/12/2013 ዓ.ም ናብ ብፆቱ ተፀንበረ። ጅግና ተጋዳላይ በረከት በርሀ ብዝነበሮ ብቕዓትን ተወፋይነትን ካብ መሪሕ ምክትል እስካብ ኣዛዚ መራሒ ጋንታ ኾይኑ ብዙሓት ዓዉደ ዉግኣት መሪሑን ብፆቱ ኣማጊኡን እዩ።ጅግና ተጋዳላይ በረከት በርሀ እቲ ፀላኢ ልምከሐሉ ልነበረ ግምባር ጭፍራ ምስ ብፆቱ ኾይኑ ካብ ዝሰበሩ ሓደ እዩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ በረከት በርሀ ኣብ ጭፍራ ፍሉይ ቦታ ዲላሩቃ ብፆቱ መሪሑ እናዋገአ እናሃለወ ካብ ፀላኢ ብዝተወርወረ ቦንቢ ደረቱ ተወቒዑ ብዕለት 4/2/2014 ዓ.ም ረፋድ ሰዓት 4 ኹቡር መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ።ሰዓት 6ረፋድ ድማ ብብፆቱ ስርዓተ ቐብሩ ተፈፂሙ እዩ።