ሽሻይ ሰይፉ ገብረኣምላክ

  • ትውልዲ ቦታ: ቐይሕ ተኽሊ/ዓድሓ
  • ዕለተ‐ልደት: 5/11/1994 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 18/02/2014 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ደቡብ ወሎ ኩታበር

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ሽሻይ ካብ አቡኡ መ/ር ሰይፉ ገ/ረአምላክ አዲኡ ኢሌኒ ገ/ሚካል 5/11/1994 ዓ/ም አብ ወረዳ ቐይሕ ተኽሊ ዓድሓ ተወሊዱ:: ሽሻይ ብወለዱ ሕንቁቑን ፍሉይ ክንክንን ዓብዩ ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ ምስበፅሐ 1ይ-8ይ ዓድሓ 1ይ ብርኪ ቤ/ ት/ቲ እንትመሃር፥ 9ይ-10ይ ድማ አብ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ት ገ/ስላሴ አብርሃ ዓድሓ ተማሂሩ:: ድሕሪ 10ይ ክፍሊ ምጥንቓቕ ናብ ናይ ኣራንሺ ንግዲ ተዋፊሩ ካብ ዓድሓ ናብ መቐለ ይነግድ ነበረ:: ሽሻይ እሙን፥ቖራፅ፥ብዓል ነውሕ ትልሚ ኔሩ:: ብመሓዝቱ ተፈታውን ተኣማንን ኔሩ:: እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ሰራዊት ሻዕብያ ብሓውዜን ጌሩ ናብ ተምቤን እንትኣቱ ሽሻይ ኣብ ተኽሊ/መስኖ ውዒሉ ሓበሬታ ስለዘይነበሮ ሰራዊት ኣብ ገዝኡ ረኺበምዎ (ስድራ ሃዲሞም ኔሮም) ከም ዕድል ከይተተናኾልዎ ብህይወት ተረፈ:: ብድሕሪኡ ካሊእ መዓልቲ ድሮ ፋሲካ 2013 ዓ/ም ኣራንሺ እርይ ውዒሉ ኣይስዙ ፀዊዑ ክፅዕን ድንገት ሻዕብያ ኣትዮም ንሱ ሃዲሙ እቲ ኣራንሺ ፅዒነምዎ ኸዱ:: ካሊእ ጊዜ ናብ መቐለ ኣራንሺ ፅዒኑ እንትኣቱ ፍተሻ ሒዘምዎ ኣባል TDF ከምዘይኾነ ኣፃርዮም ገሪፎም ሰደድዎ:: ብተደጋጋሚ ከም ኩሉ መንእሰይ ብዙሕ ምንግልታዕን ዘረፋን በፂሕዎ እዩ:: ነቲ ዝበፅሕ ዝነብረ ግፍዒ ንምምካት ናብ ቃልሲ ክፅምበር ኬዱ ገና ቆልዓ ኢኻ ኢሎም ካብ ፅገሬዳ መሊሰምዎ እዮም:: ድሕሪ ሰራዊት ትግራይ መቐለ ምቁፅፃር ምቾትን ሙቖትን ናብራ ምስወለዱን ንግዱን ራሕሪሑ እንደገና ናብቲ ቓልሲ ንክፅምበር ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ተቐባልነት ረኺቡ ሓፂር ስልጠና ተዋሂብዎ ኣብ ኣርሚ 24፥ ኮር 242፥ ክፍለ ሰራዊት ኣዉረራ፥ ሬጅመንት 2 ተመዲቡ ናብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ዝነበረ ግስገሳ ተኳሲ ድሽካ/ሞርታር ኾይኑ እናተቃለሰ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ደቡብ ወሎ ኩታበር ዝተባሃለ ቦታ ብዕለት 18/02/2014 ዓ/ም ተሰዊኡ:: ብፆቱ ድማ ኣስከሬኑ ኣልዒሎም ኣብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ መቓብር ሃርበኛታት ቀቢረምዎ።