
ፍቃዱ ኣማረ ገብረጻድቅ
- ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ሓሓይለ ጣብያ ዳዕሮ ኣንበሳ ቁሸት ማሻኣል
- ዕለተ‐ልደት: 27/2/1975/ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 04/13/2013/ዓ/ም
- ቦታ መስዋእቲ: ኣብ ኣማሓራ ክልል ደቡብ ጉንደር ኮይኑ ፉሉይ ቦታ ገረገራ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ሂወት ታሪኽ ስዉእ ተጋዳላይ ፍቅዱ ኣማረ ====================== ካብ ኣብኡ ኣማረ ገ/ፃድቅ ካብ ኣዲኡ ለተገብርኤል በየነ ብዕለት27/2/1975ዓ/ም ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእክልይ ወረዳ ሓሓይለ ጣብያ ዳዕሮ ኣንበስ ቑሸት ማሻኣል ተወሊዱ ‼ ስዉእ ጀግና ተጋዳላይ ፍቃዱ ኣማረ ዕድሚኡ ንትምህርቲ እስካብ ዝኣኻል ኣብ ሞጎሰ እንስሳ እናሓለወ ድሕሪ ምፅንሑ ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ በፀሐ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ሙሉእ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዳዕሮ ኣንበስ ተማሂሩ ጎኒ ንጎኒ ትምህርቱ ድማ ንወለዱ ብማሕረሰ ኮነ ብካልአት ስራሕቲ ናይቲ ገዛ ጠዋሪ ነይሩ ። ስውእ ጀግና ፍቃዱ ኣማረ ኣብ ዕለት 24/02/2013/ዓ/ም ብዝወረደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኣዋጅ ካብ ዝተኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ህልኸን ወነን ብምሓዝ ኣነ እናሃለኹ ህዝቢ ትግራይ ኣይስኮነን ኣዶ ትግራይ ኣይትነብዕን ሓፈተይ ኣይትድፈርን መንእሰይ ትግራይ ኣይሕረድን ብምባል ኣብ ወርሒ ጥቅምት 13/2/2013 ዓ/ም ትሕቲ ዕድመ 35 ዝኾኑ ምልሻ ካብ ክፍለ ሐደ ተመልሚሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምት ናብ ዞባ ምብራቕ ናብ ምኽልኻል ሰራዊት ትግራይ (ፋሉይ ሓይሊ ) ተመደቡ ብርጌድ 24 ሻለቃ 2 ሓይሊ 3 ተመደቡ ኣብ ወርሒ ጥቅምት ብዕለት 24/2/2013/ዓ/ም ኣብ ሰሜን እዚ ምብራቕ ግንባር ካብ #ዛላምበሳ እስካብ ዕዳጋ ሓሙስ ተዋጊኡ እዩ ። ኣብ ብርጌድ 24 ሻለቃ2 ሓይሊ 3 ረዳት ድሽቃ ኮይኑ ኣብ #ሶብያ #ዶሃን #ዓይጋ #ሰንቃጣ ረዳት ድሽቃ ኮይኑ መስተንእራዊ ዝኾኑ ስራሕቲ እናሰረሐ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ ። ምኽልኻል ሰራዊት ትግራይ ናብ መደበኛ ዘይኮነ ውግእ ኣብ ዝቀየረሉ እዋን ድማ ኣብ #ጎቦታት ኣሕፈሮም ፣ ዝባን ጕልጕሎ ፤ሶፍኦ ፀላኢ ንምምካት ምስ ናይ ላዕላይ ሓሓይለን እንዳላሸንን ዳዕሮ ኣንበሳን ኮይኑ ዕለት 13/3/2013/ዓ/ም ተዋጊኡ እዩ ። ናብ ማእከልይ ግንባር ብዕለት 5/7/2013/ዓ/ም ኣብ ከባቢ ላዕላይ ሓሓይለ ናብ ኣርሚ 22 ኮር 2 ክ/ሰራዊት ኣጋእዚ ሬጅመንት 3 ሓይሊ 3 ላዕላይ ሓሓይለ ኣብ ዝተባሃል ቦታ ተፀንቢሩ ‼ ስዉእ ጀግና ኣብ ከባቢ ላ/ሓሓይለ ድሕሪ ምፅንባሩ ውግእ ካብ ዝተሳተፈሉ ዓዉደ ግንባራት ካብ ባሕሪ ብማንኻ ከም ዝብሃል ዕለት 25/7/2013ዓ/ም ዕዳጋ #ሓሙስ ተዋጊኡ ዕለት 26/7/2013ዓ/ም ---"29/7/2013/ዓ/ም ኣብ #ቆራሮ ተዋጊኡ ሹዑ ድማ ናብ ኣዛዥ መሳርዕ ደይቡ እናተዋገኤን እናዋገኤን ፀንሑ ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ብዕለት 11/10/2013/ዓ/ም ኣብ ሸውዓተ ሕጉም ኣዛዚ መስርዕ ኮይኑ ኣቦ ብሬየን ኮይኑ እናተዋገኤን እናዋገኤን ፀንሑ ካብ ዕለት/11/10/2013/ዓ/ም --19/10/2013/ዓ/ም ኣብ የጭላ ኣብ ወፋር ስዩም ተዋጊኡ ካብ የጭላ ውግእ ናብ ደቡብ ግንባር ከይዱ ኣብ #በሪ ተኽላይ #ገርጀላ #ቆቦ #ላሊበላ #ተኽሎሽ #ወንደይ ተዋጊኡ ኣዛዚ ጋንቲ ድማ ኮይኑ እናተዋገኣን እናዋገኣን ፀንሑ። ብዝነበሮ ናይ ተመክሮ ስራሕ ድማ ናብ ክ/ጦር ሓኪም ደየቡ ንኣሃዱኡ እናተሓበበረን 1ይ ረዴኣት ሕኽምና እናሃበን ኣብ #ቆቦሮ ሜዳ #ድልብ #ሳንቃ #ወልዲያ ክ/ጦር ሓኪም ኮይኑ ንኣሃዱኡ ብቅንዕና ብትግሃትን ኣገልግሉ እዩ ‼ ዕለት/3/12/2013/ዓ/ም ብጅግነንት ከተማ ወልዲያ ተቆፅፃሩ ድሕሪ ሐደ ሰሙን 130ኪ/ሜ ብምጎዓዝ ጋሻና ዝብሃል ቦታ እንትበጽሕ ን2ማዓልቲ ምስ ብፃቱ እንተዕራፉ ድሕሪ ዕረፍት ናብ ጋይንት ዝብሃል ጉዕዞ ቀፀለ ጋይንት ምስ ኣተወ ፀላኢ ብድሕሪት ንምቁራፅ አይጧ ከጉድጎድ ስትወጣ ወይም አምራ ይበላታል ወይም ድመት ትበላታለች በሚል መፈክር ሑዚ 45000 ሽሕ ሰራዊት ኣሰልፉ ብድሕራት ንህለወ ስራዊት ትግራይ ንምጥፋእ ንተከታታል 7ማዓልቲ ዝነበረ መጥቃዓቲ ንቲ ዝነበረ ፀላኢ ብምድምሳስ ናመረሐን እናተመረሐን ብጀግንነት ግድጁ ፈፅሙ እዩ ‼ ብተወስኺ ፀላኢ ተጠናኽሩ ብገረገራ ፣ ሃሙሳት፣ ጋሽና፣ ደብረ ዘብጥ ፣ሙቀቴ ፣ ንፋሰ መውጫያ ካብ ዕለት 27/12/2013/ዓ/ም እስካብ ወርሒ ጵጉሜን ንተካታታሊ 8ማዓልቲ ሓኪም ኮይኑ ተዋግኡ ኣዋጊኡን እዩ ።ቀፅሉ ብዕለት 04/13/2013/ዓ/ም ካብ ክ/ጦር ሓኪም ናብ ዝነበሮ ኣሃዱ ተመልሱ ብሬየን ሑዞ ብጅግንነት እናተዋጊአን እናሃለወ ምስ ብፆቱ ብምዃን ኣብ ገሪገራ ዝብሃል ቦታ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ናይ ሞርታር ቁምብላ (ጥያት) ብምውቃዕ ብዕለት 04/13/2013/ዓ/ም ሰዓት 9 ናይ ቀትር ኣብ መበል 39 ዓመቱ ምእንተ ዓዱን ምእንተ ህዝቢ ትግርይን ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዘይሓልፍን ዘይሃስስን ድሙቅ ታሪኽ ብደሙ ፂሒፉ ክቡር ሂወቱ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ ‼ ናይ ስዉእ ጀግና ተጋዳላይ ፍቃዱ ኣማረ ሰነ ሰርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ መቃብር እንዲሚካኤል #ገረገራ ብክብሪ ብብፃቱ ተፈፅሙ (ዓሪፉ) እዩ‼ ስዉእ ጀግና ፍቃዱ ኣማረ ሰሓቅን ተፃዋትን ትሑት መክበሪ ሰብ ፣ ብፆቱን ፣ፈታዊ ዓዱ ፣ ወለዱ ፣ ኣሕዋቱን ኣዕርኹቱን መታዓቢቱን ነይሩ ። ስዉእ ጀግና ፈቃዱ ኣማረ ባዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆሉዑን እዩ ነይሩ ። ንስዉእ ጀግና ተጋዳላይ ፍቃዱ ኣማረ መንግሰተ ሰማያት የዋርሶ ። ንመላእ ቤተሰቡን መታዓቢቱን ብፆቱን ፈተዉቱን ፅንዓት ይሃብኹም ጀግና ታሪኽ ይሰርሕ እንበር ኣይነብርን ‼ ክብርን ሞጎስን ምእንቲ ህዝቦምን ዓዶምን ኢሎም ክቡር ሂወቶም ዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታትና ‼